ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ 2018 ዝሓለፉ ዓበይቲ ሰባት ዓለም


ድሕሪ ነዊሕ ሕማም ካንሰር ጣፊያ ኣብዚ ትማሊ ዝተሰናበትናዮ ናይ ኣውሮፓዊያን ዓመተ 2018 ናይ ዝዓረፈት ውርይቲ ድምፃዊት ኣኒታ ፍራንኪሊን ኣብ ዝተዳለወ ዝኽሪን ስነስርዓት ቀብርን ናይ ቁልዕነት መሓዝኣ ዝኾነ ድምፃዊ Smokey Robinson ብሓያል ውሽጣዊ ስምዒት ብድምፁ ከስቆንቁን ከሎ እዩ።ፍራንክሊን ተዓዋቲት 18 ሽልማት ግራሚ ክትኸውን ከላ ልዕሊ 75 ሚሊዮን ኣልበማ ተሸይጡላ እዩ።ኣሽሓት ኣፍቀርታ ናእድኦምን ክብሮምን ገሊፆምላ።ውሩያት ሰባት፣ ናይ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ዝነበሩ ቢል ክልንቴን ሓዊሱ መራሕቲ ፖለቲካ ንዝኽራ ኣብዝተዳለወ ስነስርዓት ተረኺቦም መደረ ኣስሚዖም።ፕረዚደንትቢል ክንልቴን ከምዚ በሉ።

“ብትብዓት ትነብር ነይራ፤ስግኣት ኣይነበራን ማለት ኣይኮነን፣ግን ንፍርሓ/ንስግኣታ/ ስዒራ እትነብር ሰብ እያ ነይራ።”

ኣድነቕቲ ሙቪ ኣብ 1970ታት ፍሉጥ ተዋስኣይ ንዝነበረን ኣብ 82 ዓመቱ ዝዓረፈን በርት ሬይኖልድስን ኣብ መበል 95 ዓመቱ ዝሓለፈ ውሩይ ደራሲ ናይ ሰዝሕቕ ተዋስኦ ስታን ሊን ኣብ 2018 ኣተሰናቢቶምዎም ኣለው።ክልቲኦም ኣሜሪካዊያን እዮም።

ተዋስኣይ ስፓይደር ማን ከምዚ በለ።

“እዚ ንዓኻ እዩ ስታን ሊ።ንዓኻ እዩ።ኣብ ውሽጢ ልበይ ንዘለኣለም ክትነብር ኢኻ። “

ዓለም ንብሪታኒያዊ ሊቅ ፊሲክስን ደራሲን ስቴፈን ሃውኪንግስ እውን ኣብ 2018 ቀቢፃቶ እያ።ኣብ መበል 76 ዓመቱ ኣብ ካምብሪች እዩ ዓሪፉ።Christie's Auction House ኣብ ዝተብሃለ ትካል መጫረቲ ኣቑሑት ዝሰርሕ ቶማስ ቬኒንግ ብዛዕባ ሃውኪንስ ከምዚ በለ።

“ስቴፈን ሃውኪን ኣብ ዓለም ዝዓበየ ስብእና ዝነበሮ ሰብ እዩ።ምስ ሰባት ናይ ምርኻብ ዝድነቕ ተኽእሎ ነይሩዎ።”

ናይ ቅዲ ክዳውንቲ እውን ንኣሜሪካዊትን ፈረንሳዊትን ዲዛይነራት ኬት ስፓድን ሁበርት ዲ ጊቨንቺን ተሰናቢቱወን እዩ።ኣውድሪ ሄፕበርን ጃኩሊን ከነዲ ኦናሲስን ዝኣመሰላ ክዋክብቲ ዝተኸድንኦም ቅድታት ክዳውንቲ ዝሰርሐት ጊቨንቺ እያ።ኬት ስፓድ ህይወታ ባዕላ እያ ኣጥፊኣ።

ናይ ቴሌቪዥን ሰባኺ ኢቫንጂሊካል ቢሊ ግራሃም እውን ኣብ 99 ዓመቶም ዝዓረፉ ኣብ 2018 እዮም።ግርሃም ኣብ ዙሪያ ዓለም ንዝርከቡ ሚሊዮናት ዝሰበኹ ናይ መበል 20 ክፍለ ዘመን መንፈሳዊ መራሒ እዮም።

“ሎምሸት ዝሓተኩም፡ንኣምላኽ ተፍቅሩዎዶ?ብምሉእ ልብኹምዶ ተፍቅሩዎ?ብምሉእ መንፈስኩምዶ ተፍቅሩዎ?”

ኣሽሓት ደቡብ ኣፍሪካዊያን 40 ሽሕ ወናበር ኣብ ዘለዎ ስታዲዮም ተኣኪቦም ኣብ መበል 81 ዓመተን ንዝዓረፋ ሓያል ምልከት ጸረ ኣፓርታይድ ዊኒ ማንዴላ ብሓዘንን ክብርን ዝተሰናበቱወን ትማሊ ኣብ ዘሰናበትናዮ 2018 እዩ ነይሩ።

ኣፍሪካ ካሊእ ተፈታዊ ሰብ እውን ስኢና እያ።ናይ ቀደም ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ዝነበሩ ኮፊ ኣናን።ኮፊ ኣናን ናይ ሰላም ሽልማት ተዓዊቶም እዮም።ኣናን ሓያል መራሒ ፅቡቕ ነገር ተባሂሎም ይንኣዱ።

ንወርሒ ብእግሮም ዝረገፁ ተመራማሪ ስነ ከዋክብት ወይ ህዋ ኣላን ቢን እውን ኣብ መበል 86 ዓመቶም ዝዓረፉ ኣብ 2018 እዮም።ቢን ቅድሚ 50 ዓመታት ኣብ ልኡኽ መንኮርኮር Apollo 12 ካብ ዝተሳተፉ ኣባላት ሓደ እዮም።ኣላን ቢን ብዛዕባ ተሞክርኦም ከምዚ ኢሎም ነይሮም።

“ዳርጋ ሎተሪ ዝተዓወይካ እዩ።እረ ./ ካብኡ ዝበለፀ እውን እዩ።”

ኣብ 2018 ኣባል ናይ ኣሜሪካ ፖለቲካዊ ዳይናስቲ ወይ ፖለቲካዊ ዘርኢ ሓረግ ዝኾኑ ሰብ እውን ዓሪፎም።ስድራን ፈተውትን ኣርባዕተ ናይ ቀደም ፕሬዝዳንታት ኣሜሪካ ዝነበሩን ዶናልድ ትራምፕን ኣብዚ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ ሃገራዊ ካቴድራል ኣብ ዝተዳለወ ስነ ስርዓት ቀብሪ ንመበል 41 ፕሬዝዳንት ኣሜሪካ ጆርጅ ሀርበርት ዎከር ቡሽ ተሰናቢቶምዎም።ውላዶም ንመበል 41 ፕሬዝዳንት መበል 43 ፕሬዝዳንት ኣሜሪካ George W. Bush ኣብቲ ስነ ስርዓት ከምዚ በሉ።

“ዓብዪን ክቡርን ሰብ፣ሓደ ወላዲ፣ውላድ፣ጓል ዝምነዮ ብሉፅ ሰብ ነይሩ። ኣብዚ ናይ ሓዘን ግዜና ክምስ ንበል።ወላዲ ኣቦና ኣብ ሰማይ ንሮቢን ክሓቑፋን ንወላዲት ኣደይ ዳግም ኢዳ ክሕዛን ከሎ ክንርዳእ ከለና ፍሽን ንብል።”

ቡሽ ኣብ ቴክሳስ ኣብ ዝርከብ ፕሬዝዳንታዊ ላይብረሪ ኣብ ጎኒ ኣብ 2018 ኣ/ፈ ዝዓረፋ ብዓልቲ ቤቶምን ኣብ 1953 ኣብ ሰለስተ ዓመታ ብካንሰር ዝሞተት ጓሎም ሮቢንን ብኽብሪ ዓሪፎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ 2018 ዝሓለፉ ዓበይቲ ሰባት ዓለም
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:20 0:00

ርእይቶኹም

ርእይቶ ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG