ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ፖለቲካ ኣመሪካ መሪሕ ተራ ዝነበሮ ሰነተር ባብ ዶል ዓሪፉ


 ሰነተር ባብ ዶል
ሰነተር ባብ ዶል

ኣብ ካልኣይ ኩናት ዓለም ብኸቢድ ተወጊኡ ክሳብ ሞይቱ ተባሂሉ ዝተገድፈ :ድሓር ግን ኣብ ፖለቲካ ኣመሪካ መሪሕ ተራ ክጻወት ዝበቕዐ ሰነተር ባብ ዶል: ኣብ መበል 98 ዓመቱ ትማሊ ሰንበት ዓሪፉ።

ኣብ ፖለቲካ ኣመሪካ ብስሩዕ ኣዘራርብኡ ዝፍለጥን: ኣብ ሰነት ኣመሪካ ን27 ዓመታት ዘገልገልን ባብ ዶል፡ መጀመርያ ኣብ 1976 ድሕሪኡ ድሕሪ 20 ዓመታት ድማ ንሪፓብሊካን ፓርቲ ወኪሉ ኣንጻር ፕረዚደንት ቢል ክሊንተን ዝተወዳደረ`ዩ ኔሩ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ "ባብ ዶል ካብቶም ብዙሕ ዘይትረኽቦም ኣመሪካዊ መራሒ፡ ጅግና ናይ ሓደ ዝዐበየ ወለዶ፡ ብሚዛኑን ክብሩን ዝልለ `ዩ ኔሩ" ክብል ገሊጽዎ።

ኣፈጉባኤ ባይቶ ኣመሪካ​ ናንሲ ፐሎሲ፡ ኣብ ካፒቶል ሂል ባንዴራ ኣመሪካ ትሕት ኢሉ ክትንብልበል ኣዚዛ`ላ። ፕረዚደንትታት-ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ባራክ ኦባማ፡ ጆርጅ ቡሽ፡ ቢል ክሊንተን`ውን ንባብ ዶል ክብሮም ገሊጾምሉ ኣለዉ።

ኣብ ካልኣይ ኩናት ዓለም ዝሰንከለ ባብ ዶል፡ ዳሕራዋይ ግዜያት ዕድሚኡ ንገዳይም ሓርበኛታት ኣመሪካ ንምሕጋዝ ዝዓለመ ብበዓልቲ ቤቱ ዝጽዋዕ ኤልዛበት ዶል ዝተባህለ ፋውደሽን ክመርሕ ጸኒሑ።

XS
SM
MD
LG