ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ፕላኔት ማርስ ዝጸንሓት ሄሊኮፕተር ናሳ ዕውት ናይ በረራ ፈተነ ምክያዳ ተገሊጹ


ትካል ህዋ ኣሜሪካ (ናሳ)- ካብ መሬት ወጻኢ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ካልእ ፕላነት ነፋሪት ከብርር ምኽኣሉ ኣፍሊጡ። ናሳ ናብ ማርስ ዝለኣኻ ኢንጀኑቲ ዝተባህለት ሄሊክፕተር ሎሚ ሰኑይ ካብ ማርስ ተበጊሳ ተመሊሳ ብሰላም ክትዓልብ ምኽኣላ ዘርኢ ስእልታትን ዳታ ምርካቡ ዓወት ተሰሚዕዎ`ሎ።

ኣብ ካሊፎርንያ ዝርከቡ ተቖጻጸርቲ ሳይንትስት እታ ኣብ ማርስ ዘዕለብዋ በራሪት ሄሊኮፕተር ሎሚ ሞተራ ኣተንሲኣ ሰለስተ ሜትሮ ዝኣክል ብድድ ኢላ ድሕሪኡ ብሰላም ምዕላባ ብጣቒዕትን ድምጽን ታሕጓሶም ገሊጾም ኣለዉ።

እታ 1.8 ኪ. ግራም ትምዘን በራሪት ዝሓለፈ ለካቲት ናብ ማርስ ዝተላእከት`ያ ክሳብ ሎሚ ድማ ኣብ ማርስ ኮይና ክትበርር ትኽእል እንተኾይና ክስርሓላ ጸኒሑ።

XS
SM
MD
LG