ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ፔሩ ኣንጻር መንግስቲ ሰልፊ ዘካየዱ ዜጋታት'ታ ሃገር ምስ ፖሊስ ተጋጭዮም


ኣብ ፔሩ ኣሸሓት ጸረ-መንግስቲ ሰልፈኛታት ምስ ሓይልታት ጸጥታ`ታ ሃገር ተጋጭዮም።

እቶም ሰልፈኛታት ብምኽንያት ሃገራዊ መዓልቲ ካብ ገጠራት ከይተረፈ ሰልፊ ኣብ ዝወጽሉ እዋን፡ ፕረዚደንት ዲና ቦላርተ ስልጣና ክትሓድግን ባይቶ`ታ ሃገር ፈሪሱ ምርጫ ክግበርን ይጽውዑ ኔሮም።

ፖሊስ እቶም ሰልፈኛታት ናብቲ ኣብ ሊማ ዝርከብ ኣገደስቲ ህንጻታት መንግስቲ ከይበጽሑ ንምዕጋት ዘንብዕ ጋዝ ተጠቒሙ ኔሩ።

ፕረዚደንት`ታ ሃገር ብዛዕብኦም ክትገልጽ ከላ፡ መን`ዩ ፋይናንስ ዝገብረኩም፡ ሰራሕ ዘይትሰርሑ፡ ንስድራቤትኩም ሓዲግኩም ሰልፊ ምውጻእኩም እንታይ`ዩ ረብሓኹም፧ ጎንጺ ምፍጣር ምጥሓስ ሕጊ ምዃኑ ኣይትፈልጡን ዲኹም ክትብል ናይ ተግሳጽ መልእኽቲ ኣመሓላሊፋ።

እዚ ናይ ፐሩ ኣድማ ዝካየድ ዘሎ፡ ፕረሲድነት`ታ ሃገር ዝነበረ ካስቲሎ፡ ንፓርላማ ከፍርስ ብምፍታኑ ተኸሲሱ ድሕሪ ምእሳሩ ድሕሪ ሓደ ወርሒ`ዩ።

XS
SM
MD
LG