ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ፓኪስታን ብዘጋጠመ ምንቅጥቓጥ መሬት 20 ሰባት ሞይቶም


5.7 ማግኒትዩድ ዝዓቀኑ ሎሚ ሓሙስ አብ ደቡባዊ ምዕራብ ፓኪስታን ዘጋጠመ ምንቕጥቓጥ መሬት ብውሑድ ን20 ሰባት ከምዝቀተለን ልዕሊ 200 ሰባት ከምዘቁሰለን ተፈሊጡ።

ማእከል እቲ ምንቕጥቓጥ መሬት ዘጋጠመሉ ስፍራ ኣብ ጥቃ ዶብ ምስ ኣፍጋኒስታን ኮይኑ፣ ኣብ ዕምቆት 20 ኪ.ሜ ከምዝተላዓለ፣ ትካል ምርምር ጂኦሎጂ ኣመሪካ ጠቂሱ።

ከሰል ዝወጸላ አብ ክፍለ ሃገር ባሉችስታን ዘላ ከተማ ሃርናይ ምሒር ዝተጠቅዐት ከምዝኾነት፣ ብሕልፊ ካብ ጭቃ ዝተሃነጹ ኣባይቲ ዝያዳ ከምዝዓነው፣ ነበርቶም ድማ ደቂሶም ስለዝነበሩ በቲ ፍርስራስ ተጎዲኦም አለው። ደቂ ኣንስትዮንን ቆልዑን ድማ ብዝበለጸ ግዳያት ኮይኖም አለው።

አብ’ቲ ከሰል ዝወጸሉ ከባቢ ናብ ዝበጽሐ ሓደጋ ንምብጻሕ ነዊሕ ሰዓታት ከምዝወስድ’ውን ሰበ ስልጣን ፓኪስታን ይገልጹ። ሰራዊት ፓኪስታን ብወገኑ፣ ሰራዊትን ሄሊኮፕተራትን ነቲ መስርሕ ሓገዝ ንምድጋፍ ኣዋፊሩ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG