ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ፓርክ ኢንዳስትሪ መቐለ ኣብ ምፍራይ ኣልባሳት ዝተዋፈረ ኩባንያ ኬይ ፒ ኣር ተመሪቑ


ኣብ ፓርክ ኢንዳስትሪ መቐለ ኣብ ምፍራይ ኣልባሳት ዝተዋፈረ ኩባንያ ኬይ ፒ ኣር ናብ ስራሕ ብምእታው ዛጊድ ብኽልተ ዙር ልዕሊ 200 ሽሕ ኣልባሳት ናብ ወፃኢ ሰደድ ከምዝገበረ ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ምረቓ ተሓቢሩ።

እቲ ፋብሪካ ንልዕሊ 700 መናእሰይ ናይ ስራሕ ዕድል ፈጢሩ ኣሎ። ብ2.5 ሚልየን ዶላር መበገሲ ካፒታል ስራሕ ዝጀመረ ኩባኒያ፥ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ኣብ ትግራይ ቁጠባዊ ስግግር ንምምፃእ ብኢንዳስትሪ ክምራሕ ኣለዎ ኢሎም::

ሎሚ ዝተመረቐ ፋብሪካ ኣልባሳት ኬይ ፒ ኣር ናብ ኣሜሪካ ብቐጥታ ሰደድ ዝገብር እዩ እቲ ስራሕቲ ንምስፉሕ ድማ ድልየት ከምዘለዎ'ውን ገሊጾም:: ብፍላይ ምስ ኤርትራ ዝተፈጠረ ሰላም እውን ወፍሪ ኣብ ምስሓብ ግደ የብርክት ኣሎ:: ኣብ ዓውዲ መዓድን ሰብ ሃብቲ ክሳተፉ ጻውዒት ዘቕረቡ ዶክተር ደብረፅዮን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ብዓይነቱ ዝተፈላለየ ነዳዲ ኣሎ ኢሎም:: እቲ ነዳዲ ካብ ውሽጢ እምኒን ኣኻውሕን ፈንጭልካ ብምምኻኽ ዝርከብ ምኻኑ ብመፅናዕቲ ከምዝተረጋገፀ ኣብሪሆም።

እዚ ዑቑር ሃብቲ ናብ ረብሓ ንምውዓል ዓብይ ወፍሪ ዝሓትት ብምኻኑ ዓቕሚ ዘለዎም ዓለም ለኸ ትካላትን ሰብ ሃብትን ብቐፃሊ ብምስታፍ ናብ ረብሓ ዝውዕለሉ ፃዕሪታት ይግበር ኣሎ ኢሎም::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

XS
SM
MD
LG