ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ፊሊፒነስን መይንማርን ዘጋጠመ ባህርያዊ ሓደጋታት ህይወት ኣማኢት ሰባት ይወስድ


መይንማር
መይንማር

ታይፉን ረይ ዝተባህለ ህቦቡላዊ ዝናብ ኣብ ፊሊፒነስ ኣከታቲሉ ንሰለስተ መዓልታት ብምህራሙ ዛጊት 99 ሰባት ከም ዝሞቱ ሰበ-መዚ እታ ሃገር ኣፍሊጦም። ብሰንኪ’ቲ ሓደጋ ሓያሎ መስመራት ጽርግያ እታ ሃገር ክፈርስ እንከሎ፡ ኣብ ካልእ ወገናት’ውን ኣግራብ ንጽርግያታት ብምዕጻዎም ቀረባት ህጹጽ ሓደጋ ምሃብ ኣጸጋሚ ኰይኑ ምህላዉ ተሓቢሩ።

እታ ሃገር ነቲ ሓደጋ ምቍጽጻር ስለ ዘጸገማ፡ ካብ መንግስቲ ቻይና ናይ ዕሹግ መግቢ፡ ቀረባት ማይን መጓዓዓዚ ጀላቡን ሓገዝ ምርካባ ኣገልግሎት ዜና ድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል መይንማር ብረቡዕ ብዘጋጠመ ምንሃል ኣብ እዋን ባህላዊ ዕደና፡ ዛጊት ሓደ ሰብ ምማቱ ክረጋገጽ እንከሎ 70 ድማ ደሃዮም ኣይተፈልጠን። ኣብ ካቺን ዝተባህለ ብማዕድን ሃብታም ዝዀነ ኣውራጃ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ንሓያሎ ባህላውያን ዓዳኖ ብውሑጅ ወሲዱ ናብ ቀላይ ሓዊሱዎም። ከም ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ድማ 25 ዜጋታት ንሕክምና ተወሲዶም ኣለዉ።

ኣብቲ ብማዕድን ሃብታም ዝዀነ ግን ከኣ እኹል ክትትል ዘይግበረሉ ኣከባቢ መይንማር፡ ከምዚ ዝመስል ሓደጋታት ዕደና ኣዝዩ ዝውቱር ምዃኑ ይንገር። ሓያሎ ብባህላዊ ዕደና ክቡር ማዕድናት ኣውጺኦም ንቻይና ብምሻጥ ጽቡቕ ኣታዊ ከም ዝረኽቡ ግን ከኣ ተደጋጋሚ ሓደጋ ከም ዘጋጥም ይፍለጥ። ከም ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ፈረንይ፡ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ብተመሳሳሊ ሓደጋ ኣማኢት ዜጋታት ህይወቶም ስኢኖም’ዮም።

XS
SM
MD
LG