ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ፈረንሳ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ነበርቲ ካብ መንበሪኦም ክወጹ የገድድ


ፈረንሳ ነቲ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ንምጥፋእ ዝሕግዙ ተወሰኽቲ ሓይሊ ሰብ ከምዘዋፈረት ተፈሊጡ።

ኣብ ዞባ ደቡባዊ ምዕራብ ፈረንሳ፣ ልዕሊ 6,200 ሄክታር መሬት በቲ ሰደድ ባርዕ ሓዊ ጉድኣት አጋጢምዎ'ሎ።

እቲ ብርቱዕ ለበዳ ሓዊ ንኣስታት 10,000 ሰባት ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም 17 ኣባይቲ ድማ ምንዳዱ ኣብ ጥቃ ከተማ ቦርዶ ዘለው ጎደናታት’ውን ምዕጻዎም ተፈሊጡ'ሎ።

ዞባ ጊሮንዲ፣ ዝሓለፈ ወርሒ ብሰንኪ ዘጋጠሞ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ በረኻ፣ ልዕሊ 39 ሽሕ ህዝባ ካብ’ቲ ከባቢ ንክወጹ ከምዝተገደዱ ዝዝከር እዩ።

XS
SM
MD
LG