ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ፈረንሳ ሓድሽ ኣድማ ሰራሕተኛታት ተወሊዑ


ኣብ ፈረንሳ ነቲ ዝቐረበ ናይ ትሕጋግ ምምሕያሽ ብምቅዋም ሓዲሽ ዙር ኣድማ ሰራሕተኛታት ተወሊዑ። እቲ ናይ ስራሕ ኣድማ ዝያዳ ኣብ ባቡራት ትሕቲ ምድሪን ካልኦት ባቡራትን ዘተኮረ ክኸውን ከሎ ኤየር ፍራንስ`ውን ንገለ ሓጺርን ማእከላይን በረራታት ሰሪዙ`ሎ።

እቶም ሰራሕተኛታት ምሉእ ናይ ጡረታ ረብሓ ንምርካብ ኣብ 62 ዕድመና ጡረታ ክንወጽእ ኣለና ክብሉ ይሓቱ ኣለዉ።

መንግስቲ ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮ ድማ ዕድመ ምውጻእ ጡረታ ካብ 62 ናብ 64 ክብ ክብል ኣሚሙ`ሎ። ፕረዚደንት ማክሮ ንስርዓት ጡረታ ቀጻልነቱ ክረጋገጽ ኣብ ዕድመ ለውጢ ምግባር ኣገዳሲ`ዩ ይብል።

ማሕበራት ሰራሕተኛ ግን መንግስቲ ኣብ ክንዲ ዕድመ ጡረታ ምንዋሕ ንሃብታማት ዝያዳ ቀረጽ ከኽፍሎም ኣለዎ ክብሉ ይሟገቱ።

XS
SM
MD
LG