ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ጸለምትን ከባቢኡን ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዘሎ ካብቲ ቦታ ምምጽኦም ዝሓበሩ ሰባት ገሊጾም


ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝቆጻጸርዎ ጸለምትን ከባቢኡን ዘለዋ ወረዳታት ዝርከቡ ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዝርከቡ ካብ’ቲ ከባቢ መጺኦም ዝተባህሉ ኣባላት ኮሚቴ ሕቶ መንነት ጸለምት ገሊጾም።

እቶም ወሃብቲ ርእይቶ ህወሓት፣ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ዝላኣኽ ሓገዝ ናብ’ቲ ከባቢ ከምዘየከፋፍልን ሰባት ድማ ብሰንኪ ሕጽረት መድሃኒትን ብጥሜትን ይሞቱ ከምዘለውን ሓቢሮም።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ርክብ ህዝብን መንግስቲን ክልል ትግራይ ኣቶ ረዳኢ ሓለፎም ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ "ዝኣክል ረድኤት ናብ ክልል ትግራይ ኣይኣቱን ዘሎ፣ ካብ’ቲ ዝኣተወ ረድኤት’ውን እንተኾነ፣ ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ ናብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ናብ ዝርከቡ ዜጋታት ንምብጻሕ ጸገም ኣሎ" ኢሎም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ‘እቲ ጸገም፣ ሕጽረት ረድኤት ኣይኮነን። ኣብ ክንድኡ፣ ረድኤት ናብ ዘድልዮ ህዝቢ ዘይኮነስ፣ ናብ ሓይልታት ትግራይ ይውሰድ ስለዘሎ እዩ’ ከምዝብል ሪፖርተርና ኣስቴር ምስጋናው ካብ ባህርዳር ዝላኣኸቶ ዜና ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG