ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: ኣብ ጥቓ ከተማ ጂንካ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ኣብ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ምብጽሑ ነበርቲ ይገልጹ


ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ኦሞ ክልል ደቡብ ኣብ ጥቓ ከተማ ጂንካ ብዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብን ንብረትን ዝለዓለ ዕንወት ምውራዱ ነበርቲ እቲ ከባቢ ገሊፆም።

ኣብ ወረዳ ኣሪ ዞባ ናይ ምዃን ሕቶ ቐሪቡ ምስ ዝተባህለ ብዝተኣሳሰረ ተፈፂሙ ዝተባህለ መጥቓዕቲ ኣርባዕተ ኣባላት ፖሊስ ሓዊሱ 133 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ምውዓሉ ኮሚሽን ፖሊስ ናይቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ኮሚሽነር ፖሊስ ኣለማየሁ ማሞ ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ዝወረደ ጉድኣት ይጻረይ ምህላው ንድምጺ ኣመሪካ ገሊፆም።

ካብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ጂንካ ብመሰረት ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣብ ልዕሊ 25 ሰባት ናይ ሞትን መቑሰልትን ሓደጋ አጋጢሙ'ሎ።ሎሚ መዓልቲ ግን ኣብቲ ከባቢ ኣንፃራዊ ሰላም ዓሲሉ ከምዝወዓለን ጉድኣት አጋጢምዎ ናብቲ ሆስፒታል ዝመፀ ሰብ ከምዘየለን'ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG