ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ጓቲማላ ብዘጋጠመ እሳተ ጎመራ 25 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ጓቲማላ ትማሊ ሰንበት ብዘጋጠመ እሳተ ጎመራ 25 ሰባት ምሟቶምን ፡ እቲ እሳተ ጎመራ ዝተጠፍኦ ላቫ፡ትኪን ሓሙኽሽቲ ነቲ ከባቢ ሸፊንዎ ከምዝርከብ ናይ ጓቲማላ ናይ ሓደጋ እዋን ምክልክካል ኤጄንሲ ኣፍሊጡ’ሎ።

ኣብ ጓቲማላ ብዘጋጠመ እሳተ ጎመራ 25 ሰባት ሞይቶም
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:46 0:00

ብመሰረት ሓበሬታ ሰበ ስልጣን’ታ ሃገር እቲ እሳተ ጎመራ ንኣስታት ሓደ ሚልዮን ሰባት ዜጋታት ዝጸልው ምዃኑን፡ ኣስታት 3,100 ድማ ካብ መነባብርኦም ምዝንባሎም ብተወሳኺ ኣስታት 20 ዝኾኑ ከቢድ ጉድኣት ዝበጽሖም ኣብ ሕክምና ዝተዓቑቡ ሰባት ከምዘለው ሓቢሮም ኣለው።

“እቲ እሳተ ጎመራ ዝተጠፍኦ ላቫ ናብ ሮደ ዝተባህለ ዓዲ ምፍሳሱ፡ዝሞቱን ዝቆሰሉን ሰባት ኣለው” ዝበሉ አባል ናይ ሓደጋ እዋን ምክልካል ኤጄንሲ ዝኾኑ ሰርጊዮ ካባናስ ኣብዚ ሕጂ እዋን “ሰባት ኣብ ምድሓንን ካብቲ ቦታ ምግዓዝ ንጥፈት ነካይድ ኣለና” ኢሎም።

‘ላ ኣሩራ’ ዝተባህለ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ከተማ ጓቲማላ ብሰንኪ ካብቲ እሳተ ጎመራ ዝተላዕለ ትኪን ሓሙክሽትን ምዕጻው ተፈሊጡ’ሎ።

ፕረዚደንት’ታ ሃገር ጂሚ ሞራላስ ሰንበት ምሸት መግለጺ ዝሃቡ ክኾኑ ከለው ሰበ ስልጣን ብወገኖም ዜጋታት ክሃድኡ ይመኽሩ ኣለው።

XS
SM
MD
LG