ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ጎንደር ገንዳውሃ ዘጋጠመ ጉድኣት ዘጻርይ አካል ናብቲ ቦታ ከምዝልኣኽ ኣመሓዳሪ’ቲ ክልል ሓቢሮም


ኣብ ኢትዮጵያ፣ክልል ኣምሓራ፣ዞባ ምዕራብ ጎንደር ገንዳውሃ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ዝወረደ ጉድኣት ዘፃሪ ኣካል ናብቲ ከባቢ ብቕልጡፍ ክልኣኽ እዩ ክብሉ ርእሰ ኣማሓዳሪ ናይቲ ክልል ኣቶ ገዱ ኣንዳርጋቸው ኣፍሊጦም።

ሓደ ናይ ኮንስትራክሽን ትካል መኪናታቱ ካብ ሓደ ፕሮጀክት ናብ ካልእ ፕሮጀክት ከንቀሳቕስ ኣብቲ ከባቢ ብዘሎ ኩነታት ፀጥታ ብሓይልታት ምክልኻል ተዓጂበን ይጉዓዛ ኣብ ዝነበራሉ እዋን ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ብትዕግስቲን ምርድዳእን ክፍታሕ ነይሩዎ ኢሎም።

ብዝተፈጥረ ግጭት ኣብቲ ግጭት ተራ ዘይነበሮም ንፁሃን ዜጋታት ሓዊሱ ህይወት ሰብ ምጥፍ ኡ እቶም ርእሰ ኣማሓዳሪ ሓቢሮም።

ንሶም ብተወሳኺ እቲ ጉዳይ ተፃሪዩ ተመጣጣኒ ዘይኮነ ስጉምቲ ዝወሰዱ ኣካላት ብሕጊ ክሕተቱ እዮም ኢሎም ።

ብተወሳኺ እውን ኣብ ምዕራብ ጎንደር ናይ ሕድ ሕድ ምጥፍእ ህይወት ከምዝቐፀለ ብምሕባር ንፁሃን ህዝብታት ኣምሓራን ቅማንትን ንሓደጋ ዘቃልዕ ስለዝኾነ ብቕልጡፍ ደው ክብል ኣለዎ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG