ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ጎንደር ዝርከቡ ካብ ወልቃይት ምዝንባሎም ዝገልጹ መንእሰያት ናብ መነባብርኦም ክምለሱ ሓቲቶም


ከተማ ጎንደር
ከተማ ጎንደር

ኣብ ከተማ ጎንደር ኣብ ዝተዳለዎም ግዚያዊ መዕቖቢ ዝርከቡ ካብ ወልቃይት ምምዝባሎም ዝገልፁ ልዕሊ 200 ተመዛበልቲ ናብ ትውልዲ ከባቢኦም ክምለሱ ሓቲቶም።

ኣተሓባበርቲ ናይቶም ተመዛበልቲ ኣቶ እርሲ ቃደም እዞም መናእሰይ ካብዝተመዛበልሉ እዋን ጀሚሮም ኣብ ገልታእታእ ይርከቡ ኣለው ኢሎም።ህዝብን ቀይሕ መስቀልን ዝህቦም ውሱን ሓገዝ እንተዘይኾይኑ ካብ ፌደራል ይኹን ክልል መንግስቲ ዝተገብረሎም ሓገዝ የለን ኢሎም።

“ናብ መንበሪኦም ክምለሱ ድልየት ኣለዎም።ምክልኻልን ፍሉይ ሓይልን ንናይ ትግራይ ፍሉይ ሓይሊ ኣውፂኦም ንፖሊስ እውን ኣውፂኦም ፌደራል ፖሊስ ወይ ሓይልታት ምክልኻል ኣትዮም ብነፃነት ክንቀሳቐስን መሰሉ ክገልፅን ኣለዎም ።”

ሓላፊ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን ካብ ከባቢ ወልቃይት ተመዛቢሎም ኣብ ጎንደር ዝርከቡ ወገናት ናብ ከባቢኦም ንኽምለሱ ፌደራል መንግስትን ክልቲኦም ክልላትን ከምዝተዘራረቡን ተመዛበልቲ ኣብዝተረኸብሉ ዝተኻየደ ዝርርብ እቶም ዜጋታት ሃብትን ንብረትን ናብ ዘፍረይሉ ከባቢ ብሰላማዊ ኩነታት ዝነብርሉ መንገዲ ክመዓራረ ምድላዋት ይካየድ ኣሎ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG