ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ጎንደር ትማሊ ብዝተላዕለ ህውከት 1 ሰብ ሞይቱ 8 ድማ ቆሲሎም


ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ዞባ ማእኸላይ ጎንደር ከባቢ ጭልጋ ትማሊብሰንኪ ዝተፈጥረ ህውከት ሓደ ሰብ ምሟቱን፣ ካልኦት ሸሞንተ ሰባት ምቑሳሎምን ብርክት ዝበለ ንብረት ከምዝዓነወን ተፈሊጡ።

39 ኣባይቲ፣ትሽዓተ እንዳመጥሓን ከምዝተቓጸለን 50 ኣባይቲ ድማ ከምዝተዘረፉን ፀብፃብ ኣስቴር ምስጋናው ይሕብር።

ሓላፊ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣቶ ኣሰማሀኝ ኣስረስ ሎሚ ኣብዝሃብዎ ፈላማይ ጋዜጣዊ መግለፂ ምስቲ መጥቓዕቲ ብዝተኣሳሰረ ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ናይ ምውዓል ስራሓት ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

“ቅድሚ ሎሚ እውን ዝነበሩ፣ንህዝቢ ዝበደሉ፣ገንዘብ ዝዘረፉ፣ዝሰረቑ እቲ ለውጢ ተጠናኺሩ ተሓተቲ ከይገብሮም ብዝተፈላለየ መንግዲ ንግጭታት እናመወሉ ሰላም ክዝረግ እናሰርሑ ይርከቡ እዮም።”

ንሶም ብተወሳኺ ንህዝብና ንሓቶን ንልምኖን በብአካብቢኡ ሰላሙ ክሕልውን ነዞም ኣካላት ፈልዩ ንኣካላት ፀጥታ ከረክብን እዩ ኢሎም ።እቲ ናይ ሰላም ምዝራግ ንለውጢ ኣዚዩ ሓደገኛ እዩ ፤ዝተመዝገበ ለውጢ ከይኹለፍ ምክልኻሉ ሓላፈነት ህዝቢ እዩ ኢሎም።

ኣብ ጭልጋ ትማሊ ዝተለዓለ ህውከት ሎሚ ብሓይልታት ፀጥታ ተረጋጊኡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG