ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ኣብ ጎንደር ብዝተወልዐ ጎንጺ 20 ኣመንቲ እስልምና ተቐቲሎም'-ሮይተርስ


ከተማ ጎንደር- ፋይል

ትማሊ ሰሉስ፡ ኣብ ከተማ ጎንደር፡ ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ሓደ ዜጋ ብዝተወልዐ ግጭት፡ 20 ኣመንቲ እስልምና ከም ዝተቐትሉ ንፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት-ምኽሪ እስልምና ክልል ኣምሓራ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

ከም ሓበሬታ ፕረዚደንት እቲ ቤት ምኽሪ እስልምና'ቲ ክልል፡ እቲ ፍጻመ ቀባሮ ኣብ መገዲ እንከለዉ’ዩ ዕጡቓት ናብቲ እኩብ ህዝቢ ነታጒ ብምድርባይ ፈለማ ሰለስተ ሰባት ነታጒ ቀቲሎም፡ ሓሙሽተ’ውን ኣቝሲሎም። ድሕሪኡ ዝሰዓበ ሞት ብዝቐጸለ ተዅሲ ከም ዘጋጠመ እቲ ዜና የመልክት።

ንድኳናት ንምዝራፍን መስጊድ ናይ ምቅጻል ፈተናታት’ውን ምንባሩ ፕረዚደንት እቲ ቤት ምኽሪ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ኣመልኪቱ። ሓንቲ ካብተን መሳጊድ’ውን መጠናዊ ጉድኣት ወሪዱዋ ምህላዉ ተሓቢሩ።

ወሃብ-ቃል ክልል ኣምሓራ ግዛቸው ሙሉነህ፡ እቲ ጉዳይ ኣብ መርመራ ከም ዘሎ ኣመልኪቱ'ሎ። ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ 15 ሰባት ብሰንኪ’ቲ ጎንጺ ናብ መወከሲ ሆስፒታል ጎንደር ከምዝተወስዱ: ክንደይ ካብኣቶም ብጥይት ወይ ካልእ መሳርሒ ምህራሞም ግን ዝተፈልጠ ነገር ከምዘየለ ሓቢሩ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG