ዋሽንግተን —
ኣብ ዒራቕ ሎሚ ሓሙስ ክካየድ ዝነበረ ግጥም ፍፃመ ዋንጫ ኩዕሶ እግሪ ወሽመጥ ሰዓታት ኣብ ዝተረፎ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ስታድዩም ብዝተላዕለ ዕግርግር ሓደ ሰብ ምሟቱን ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ካልኦት ምቁሳሎም ምንጭታት ሕክምናን ፀጥታን ሓቢሮም።
ከም ሓበሬታ ሰበስልጣናት እታ ሃገር ኣብ ርእሰ ከተማ ደቡባዊት ባስራ ዝርከብ ስታድየም ሰዓት 7:00 ድሕሪ ቀትሪ ክጅምር ዝነበሮ ኣብ ሞንጎ ዒራቅን ዖማንን ዝካየድ ፀወታ ክዕዘቡ ተስፋ ገይሮም ካብ ወጋሕታ ጀሚሮም ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ስታድየም ክፅበዩ ዝወዓሉ ብኣሻሓት ዝቁፀሩ ደገፍቲ ምንባሮም ገሊፆም። ኣብ ውሽጢ እቲ ስታድየም ዝርከብ ሰኣላይ ኤኤፍፒ ድሕሪ እቲ ዕግርግር ምልዓሉ ኩሎም መእተዊታት እቲ ስታድየም ምዕጻዎም ይሕብር።
ኣብ መፈለምታ እዚ ወርሒ ዝነበረ መኽፈቲ እቲ ፅዋዕ ወኪል መራሒ ጎረቤት ኩዌት ንዝኾነ ሰብ ኣብ መቀመጢ ዕዱማት አጋይሽ(VIP) ብዝተፈጥረ ረብሻ ነቲ መደብ ንኸይካፈል ምኽልካላ ዒራቕ ይቅሬታ ክትሓትት ምግዳዳ ዝዝከር እዩ።