ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ግዝኣት ጆርጂያ ክካየድ ዝፀንሐ ምርጫ ተወከልቲ ቤት ምኽሪ ተዛዚሙ


ኣብ ዶቡባዊ ግዝኣት ኣሜሪካ ጆርጂያ ክካየድ ዝፀንሐ ምርጫ ተወከልቲ ቤት ምኽሪ ትማሊ ተዛዚሙ ። ክብ ክልቲኦም ተወዳደርቲ ፓርቲታት እቲ ዝሰዓረ ኣብቲ ቤት ምኽሪ ዓብላላይ ድምፂ ክህልዎ'ዩ።

ጆርጂያውያን መረፅቲ ለበዳ ኮቪድ ከይደረቶም ክልተ ሴናተራት ንምምራፅ ትማሊ ሰሉስ ናብ ጣብያታት ምርጫውሒዞም እዮም። ይኹን እምበር እቲ ዝህብዎ ውሳነ ኣብ ሓይሊ ሚዛን ፖለቲካ ኣሜሪካ ወሳኒ ብምዃኑ ዓብዪ ፖለቲካዊ ፅዕንቶ ዝፈጥር እዩ ።

ካብቶም መረፅቲ ሓንቲ ዝኾነት ብሪትኒ ታምስ "ኣብዚ እዋን ኩሉ ህዝቢ ኣሜሪካ ዓይኑ ኣብ ጆርጂያ እዩ ዘሎ ብጣዕሚ እዩ ዘፍርሕ ፤ ዝተጋገየ ውሳነ ከምዘይውስን ተስፋ ይገብር ። እዚ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት መፃኢና ክንውስን ዕድል ዝረኸብናሉ ኣጋጣሚ እዩ "ትብል ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።

ኣብ ግዝኣት ጆርጂያ ክካየድ ዝፀንሐ ምርጫ ተወከልቲ ቤት ምኽሪ ተዛዚሙ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:29 0:00


XS
SM
MD
LG