ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ንራብዓይ ጊዜ ኣብ አዲስ አበባ ክካየድ ዝቐነየ ናይ ክልተ መዓልታት ዘተ ኢትዮጵያ፡ግብጺንን ሱዳንን ትማሊ ሓሙስ ብዘይስምምዕ ምዝዛሙ ተገሊጹ። ግብጺ እቲ ጉዳይ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ዋሽንግተን ዝካየድ ዘተ ክፍታሕ ዘለዋ ተስፋ ገሊጻ’ላ።
“ሎሚ ኣብ ስምምዕ ክንበጽሕ ኣይከአልናን ግን ኸአ ኣብ ኩሉ መዳይ ንምምላእ ማይ እቲ ግድብ ሓዊሱ ንዘሎ ጉዳያት ብንጹር ኣቐሚጥና ኣለና። ስለዚ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ዋሽንግተን ዝካየድ ዘተ ኣብ ስምምዕ ክንበጽሕ ተስፋ ንገብር” ክብሉ ሚንስትር ማይ ግብጺ ዓብደል ኣትያ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሮም።
ሰለስቲኣን ሃገራት ኣብ ጉዳይ ምምላእ ማይን ኣሰራርሓን እቲ ኣስታት 4 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ዝተገብረሉ ግድብ ህዳሴ ንምዝታይ ጥሪ 13 ኣብ ዋሽንግተን ከምዝራኸባ ይፍለጥ።
ሚንስትሪ ማይ ኢትዮጵያ ስለሺ በቀለ ብወገኖም ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ዘይከአለ ግብጺ ኣብ ስምምዕ ዘብጽሕ ነጥብታት ዘይምቕራባ ምኳኑ ይገልጹ።
“ ኣብ ኣመላልኣ እቲ ግድብ ኣብ ስምምዕ ዘይበጻሕና ግብጺ እቲ ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ኣብ ውሽጢ 12-21 ዓመታት ክፍጸም ዝብል ሓድሽ ውጥን ሒዛ ብምምጻኣ እዩ እዚ ድማ ቕቡል ኣይኮነን። ምምላእ’ቲ ግድብ ድማ ኣብ ወርሒ ሓምለ ክጅምር’ዩ”ኢሎም።
ግብጺ ምምላእ እቲ ግድብ ናብ ሃገራ ዝፈስስ ትሕዝቶ ማይ ፈለግ ኒል ከምዘጉድል ብተደጋጋሚ ክትገልጽ ዝጸንሓት ክትከውን ከላ ኢትዮጵያ ግን ምምላእ’ቲ ግድብ ኣብ ትሕዝቶ ማይ ፈለግ ኒል ጽልዋ ከምዘይሕልዎን ምዝዛም’ቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ መመንጨዊ ጸዓት ክኸውን ትጽቢት ዝግበረሉ ናይ ህዳሴ ግድብ ኣብ ምዕባለ’ታ ሃገር ኣገዳሲ ምዃኑ ትገልጽ።
ሰለስቲኣን ሃገራት ክሳብ ጥሪ 15 ኣብ ስምምዕ እንተዘይበጽሓ ኣብቲ ጉዳይ ዓለምለኸ መንጎኛ ወይ መንጎኝነት መራሕቲ ሃገራት ኣቢለን ክፈትሓ ክግደዳ’የን።