ዋሽንግተን —
ኢትዮጵያ፤ግብፂን ሱዳንን ናይ ኢትዮጵያ ግድብ ህዳሴ ዝምልከት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ትማሊ ጀሚሮም ከካይዱዎ ዝፀንሑ ልዝብ ብዘይስምምዕነት ከምዝተዛዘመ ተፈሊጡ።ሚንስትር ማይ፣መስኖን ኢነርጅን ኢትዮጵያ ዶ/ር ስለሺ በቀለ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ግብፂ ኣመላልኣ እቲ ግድብ ዝምልከት ሓዱሽ ሓሳብ ሒዛ ቐሪባ ኔራ ኢሎም።
ዶ/ር ስለሺ በቀለ ግብፂ ናይ ህዳሴ ግድብ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ካብ 12 ክሳብ 21 ዓመታት ክመልእ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ምቕራባ ተፈሊጡ’ሎ።ኢትዮጵያ ድማ ነዚ ከምዘይትቕበሎ ኣፍሊጣ’ላ ኢሎም።
ግድብ ህዳሴ ኣብ ውሽጢ 7 ዓመታት ክመልእ ቅድም ክብል ሰለስቲኦም ሃገራት ተሰማሚዖም ምንባሮም ይዝከር።ሚንስትራት ጉዳያት ወፃኢን ሚንስትራ ማይ ሰለስቲአን ሃገራት ዝቕፅል ሰሉስ ናብ ዋሽንግተን ብምጉዓዝ ፕረዚደንት ባንኪ ዓለምን ሚንስትር ገንዘብ ኣሜሪካን ኣብ ዝርከብሉ ከምዝዘራረቡ ተፈሊጡ’ሎ ክብል ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፐረሽን ሓቢሩ’ሎ።