ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ኣብ ጉዳይ ዩክሬን ማእከላይ መርገጺ ምሓዝ ኣይክኣልን' ኣምባ. ኣመሪካ ኣብ ሕ/ሃ


ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ቶማድ ግሪንፊልድ
ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ቶማድ ግሪንፊልድ

ንወራር ሩስያ ኣብ ዩክሬን ንምዂናን ኣብ ቀረባ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት "ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ድምጺ ተዓቕቦ ብምሃብ ምስ ዝኾነ ሃገር ከምዘይውግና ንምርኣይ እንተኾነ'ውን ኣብዚ ጉዳይ ግን ከምኡ ዝበሃል ነገር የለን" ክብላ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ቶማድ ግሪንፊልድ ሎሚ ዓርቢ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየድኦ ቃለ መሕትት ሓቢረን።

ንሰን ወሲኸን ሃገራት ኣፍሪቃ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዘስዕቦ ዘሎ ተጽዕኖ ንኽርድኡ ተወሳኺ ስራሕ ክንሰርሕ ይግባእ ኢለ ይኣምን ኢለን።

እዚ ኣብ መንጎ ሩስያን ኣመሪካን ወይድማ ኣብ መንጎ ምዕራብን ሩስያን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣይኮነን ፤ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ጎረቤታ ዝኾነት ሃገር ዩክሬን ዝፈፀመቶ ወራርን ኲናትን እዩ ። ነዚ እናረኣኻ ኣብ ወሰን ንካ ኣብ መንጎ ክኣቱ ኣይደልን ምባል ኣይከኣልን ። ከምኡ'ውን ሩስያውያን ነዚ ድምፀ ተዓቅቦ ከም ድጋፍ እዮም ዝወስድዎ ዘለዉ ። ስለዝኾነ እዚ ወራር ኣግባብ ከምዘይብሉ ስጋብ ድማፆም ዘስምዑ ሩስያውያን ነዚ ወራር ደው ኣይከብሉን'ዮም ኢለን።

ምናልባት'ውን ፀግዒ ንኽሕዙ ምድፋእ ኣብ ዝሑል ኲናት ዘስዐበሎም መዘዝ ብምስጋእ ከይኸውን ፣ መብዛሕትኣን ሃገራት ኣፍሪቃ ከም ስርናይ ዝበሉ ምህርትታት ሩስያ ፅግዕተኛ እዮም ምናልባት እዚ ኣብ ውሳንኦም ተጽዕኖ ኣሕዲሩ'ዶ ኸውን ንዝብል ሕቶ ድማ እዚ ዝሑል ኲናት ኣይኮነን ሩስያ ኣብ ልዕሊ ጎረቤታ ዩክሬን ትፍፅሞ ዘላ ወራር እዩ ። ብርግፅ ከም ስርናይ ዝበሉ ካብ ሩስያ ዘእትዋ እንተነበራ'ውን በዚ ዝኻየድ ዘሎ ኲናት ምኽንያት ስርናይ ክረኽቡ ኣይኸእሉን ፣ ካልእ ካብ ኣመሪካን ሃገራት ኣውሮጳን ዝወስድዎም'ውን ውሑዳት ኣይኮኑን ። እዚ ከምኡ ኮይኑ ሩስያ ምስ ኣብ ትሕቲ ሳሃራ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ 2021 ዝነበራ ክልቲኣዊ ልውውጣት ንግዲ ናብ ከባቢ ሸውዓተ ቢልዩን ዶላር ዝፅጋዕ ኮይኑ ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ኣውሮጳን ዝነበረ ምንቅስቃሳት ንግዲ ግን ናብ 44 ቢልየን ዶላር ዝፅጋዕ እዩ ። በዚ መሰረት እዚ ኲናት ኣብ ቁጠባ ኣፍሪቃ ከብፀሖ ንዝኽእል ቁጠባዊ ተጽዕኖ ንምጉዳል ምስ ካልኦት ሃገራት ብምስምማዕ ነቲ ካብ ሩስያ ክረክብዎ ዝነበረ ሸርፊ ወፃኢ ዝሽፍኑ መገድታት ኣብ ዝርከብሉ ኣገባብ ፃዕሪ ንገብር ኣለና ክብላ መሊሰን ።

ንኢትዮጵያ ብዝምልከት መብዛሕተአን ሃገራት ምሳኽን ይሰማማዓ እየን ኢትዮጵያ ግን ድምፂ ተዓቅቦ ዘይኮነስ ፈፂማ ድማፃ'ውን ኣይሃበትን እሞ ድማ ነቲ ተግባር ክትኩንኖ ተሰሚዓ እያ ንዝብል ሕቶ እተን ኣምባሳደር ብዓል መን ነይረን ዝተረፋ ዝብል ክምልሶ ኣይክእልን ሓንቲ ሃገር ንሓደ ተወካሊ ጥራሕ ዘለዋ ተወካሊኣ ኮቪድ19 ብምሕማሙ ከድምፅ ከምዘይከኣለ ሰሚዐ ካልእ ምኽንያት'ውን ክህሉ ይኽእል እዩ ኣነ ሕጂ ክብሎ ዝኸእል ግን 141 ሃገራት ኲናት ጠጠው ክብል ድምፀን ዝሃባ ኣለዋና ። ክንድዚ ዓይነት ቁፅሪ ተራእዩ ዘይፈልጥ እዩ ። ኣብ ጎኒ ሰላም ጠጠው ምባለን ከኣ ከምስግነን ይፈቱ ። እዚ መዓልታዊ ንርእዮ ዘለና ዘስካሕክሕ ፍፃመ እዩ ። ደቂ ኣንስዮ ኣብ ሕርሲ እናሃለዋ ዝወልዳሉ ሆስፒታል ሓደጋ ክወርዶ እናረኣኻ ኢደይ ከእቱ ኣይደልን ምባል ኢልካ ደው ኢልካ ምርኣይ ቕኑዕ ኣይመስልንን ኢለን ።

ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሴራ ራማፎዛ ንሽምግልና ዘቅ፟ረብዎ ሕቶ ዝድገፍ ድዩ ክብል ንዝቀረበለን ሕቶ ነዚ ጎንጺ ዘህድእ ስጋብ ዝኾነ ካብ ዝኾነ ኣካል ዝመፅእ ፃዕሪ ከምዝድግፋ እያን ገሊፀን ።

XS
SM
MD
LG