ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ንምትኣትታው ድሌት የብልናን፡” ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ


ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ክልል ትግራይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ፈጺሙ ዝብሃል “ግጉይን ሕልማዊን ሓበሬታ’ዩ፡” ክብል ገሊጹ።

ኣብ ናይ ናይሮቢ ዑደቱ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተዛረበ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ሰራዊት ኤርትራ ሰብኣዊ ግህሰት ፈጺሙ ዝብል ክሲ፡ “ሕልሚ ናይቶም ንመስርሕ ሰላም ክዘርጉ ዝደልዩን፡ ኣብ ፋብሪካ ሓሶት ዝተሰርሐን`ዩ፡” ኢሉ።

“ብዛዕባ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብዝን ኣብትን ጾታዊ ዓመጽ ዘረፋ እናበልኩም ግዜኹም ኢኹም ተጥፍኡ ዘለኹም፡ ኩሉ ግን ፋንታዝያ`ዩ፡” ክብል ድማ ገሊጹ።

ንናጻ ሚድያ ሳሕቲ ዝዛረብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ “ኣብ መስርሕ ሰላም ኢትዮጵያ ጣልቃ ዘእቱ ነገር የብልናን፡ናትና ኣጀንዳ`ውን ኣይኮነን” ኢሉ። ወሲኹ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ “ብዛዕባ ምስሓብን ዘይምስሓብን ሰራዊት ኤርትራ ካብ ክልል ትግራይ ምዝራብ ትርጕም የብሉን፡” ድሕሪ ምባል፡ መስርሕ ሰላም ኢትዮጵያ ብዘይ ዕንቅፋት ክቕጽል ዘለዎ ተስፋ ጠቒሱ።

ንጋዜጠኛታት ብነድሪ ዝተዛረበ ወዲ-77 ዓመት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣስዒቡ፡ “ኣብ ኢትዮጵያ ዝርአ ጸገማት ከም ተደጋጋሚ ምኽንያት ክንረአ ኣይንደልን፡” ኢሉ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኤርትራ ናብ ኣባላነት ውድብ ኢጋድ ክትምለስ ከም ዝወሰነት ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ናይ ትዊተር መልእኽቱ ኣስፊሩ። እዚ ዳግም ምጽንባር ናብቲ ውድብ ብምኽንያት ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ኬንያ’ዩ ዝኸውን ዘሎ። ኬንያ ኣብ ኤርትራ ኤምባሲ ክትከፍት ምውሳና’ውን ሚኒስተር የማነ ኣብ መልእኽቱ ትዊተሩ ጠቒሱ ኣሎ።

ትማሊ ረቡዕ ብዕድመ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ናብ ኬንያ ዝተጓዕዘ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ካብ መንጎ’ቲ ክልተኣዊ ርክብ፡ ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ዝግበር ናይ ቪዛ መሕተት’ውን ክኣልዩዎ ወሲኖም ኣለዉ። ከም ሓበሬታ መልእኽቲ ትዊተር ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል እዚ ተግባር ሎሚ ናብ ግብሪ ክውዕል’ዩ።

XS
SM
MD
LG