ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ገጠራት ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝዕንቅፍ ተጻብኦታት ምህላው ወሃቢ ቃል ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ገሊጾም


ኣብ ክልል ትግራይ ኩነታት ፀጥታ ዘይግመትን ተለዋዋጣይን ኮይኑ ከምዝቐፀለን ኣብ ገጠራት ትግራይ ንስራሓት ሰብኣዊ ሓገዝ ዝዕንቅፍ ተፃብኦታት ምህላውን ወሃቢ ቃል ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ስቴፋን ዱጃሪክ ትማሊ ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ሓቢሮም።

ኣብ ከተማ መቐለ ተፃቢቦም ካብ መንጎ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ብኮቪድ 19 ምትሓዞም ፀብፃብ ከምዝበፅሖምን ናይ ጥዕና ፈተናታት ዋሕዲ ኣገደስቲ መድሓኒታትን ናይ ሕክምና ናውትን ሕጽረት ንናይ ኣምቡላንስ መኻይን ዝኸውን ነዳዲን ከምዘሎ ገሊፆም።

ንሶም ወሲኾም ኣብ ክሊ እዞም ብድሆታት ግን መሻርኽቲ ሰብኣዊ ትካላት ኣብ ትግራይ ሓገዝ ንዘድልዮም ሰባት ንምሕጋዝ ምፍታኖም ቀፂሎም ኣለው ኢሎም። ክሳብ 29 ሚያዚያ ኣብ ዘሎ እዋን መንግስትን ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ን1.1 ሚሊዮን ሰባት ልዕሊ 19,000 ሜትሪክ ቶን እኽሊ ኣከፋፊሎም ኣለው።

ወሃቢ ቃል ስቴፈን ዱጃሪክ ኣብ መላእ እቲ ክልል ዘድሊ ሓገዝ ንምቕራብ ተወሳኺ ሓይሊ ሰብ፣ገንዘብ ከምኡ'ውን ዘይተገደበን ውሑስን ተበፃሕነት ክህልው መሻርኽትና ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝ የጠንቅቑ ኣለው ኢሎም ።

XS
SM
MD
LG