ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ገማግም ባሕሪ ቱኒዝያ 2 ስደተኛታት ምሟቶም: ካልኦት 100 ምድሓኖም ተገሊጹ


ካብ ገምገም ቱኒዝያ ኣብ ዝርከብ ባሕሪ ሚዲተራንያን- ክልተ ጀላቡ ጥሒለን-ሬሳ ክልተ ሰባት ተረኺቡ: 20 ዝኾኑ ኣብ ዝኣተውዎ ኣይተፈልጠን ክብል ኣሶሸይትድ ፕረስ ሓቢሩ።

ሓይሊ ባሕሪ ቱኒዝያ ካብተን ጃላቡ 109 ዝኾኑ ሰባት ከም ዘድሓኑ ገሊጹ።

መብዛሕቲኦም እቶም ተሳፈርቲ ካብ ኣፍሪቃ ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ዝፍትኑ ዝነበሩ ስደተኛታት`ዮም። ኣብቲ ኸባቢ ኣብዚ ወርሒ ግንቦት ጥራሕ 50 ዝኾኑ ስደተኛታት ጥሒሎም`ዮም።

XS
SM
MD
LG