ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ገለ ዞባታት ምዕራብ ኦሮምያ ኣገልግሎት መጉዓዝያን ኢንተርነትን ምቁራጹ ነበርቲ ገሊጾም


ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ዝርከባ ሓደሓደ ዞባታትን ከተማታትትን ኣገልግሎት መጓዓዝያን ኢንተርኔትን ምቁራፁ ነበርቲ እተን ከባቢታት ንድምጺ ኣመሪካ ተዛሪቦም ።

ቤት ፅሕፈት ርክባት ኦሮሚያን ፓርቲ ብልፅግና ኦሮሚያን ብወገኖም "ንባዕሎም ግንባር ናፅነት ኦሮሞ " እናበሉ ዝፅውዑን መንግስቲ ድማ "ኦነግ ሸኔ" እናበለ ዝፅወዖም ዕጡቃት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝሓዝዎ ብዙሕ ቦታ ከምዘየለ፡ እንተኾነ ሓሓሊፎም መገዲ ክዓፅዉ ከምዝፍትኑ ሓቢሮም ኣለው።

ብኻልእ ወገን ኣብ መብዛሕቲኦም ከባብታት ኣርባዕቲኦም ዞባታት ወለጋ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ምቁራፁ ዘረጋገጹ ሓላፊ ኢትዮ ቴሌኮም ዞባ ምዕራብ " ብቴክኒካዊ ፀገም ምኽንያት ዝተቋረፁሎም ከባቢታት ንምትዕርራይ ንሰርሕ ኣለና" ኢሎም ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::


XS
SM
MD
LG