ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ገለ ክልላት ኢትዮጵያ ዝተደናጎየ ሃገራዊ ምርጫ ሎሚ ተኻይዱ


ኣብ ኢትዮጵያ ገለ ክልላት ዝተደናጎየ ከይዲ ምርጫ ሎሚ ሓሙስ ይሳለጥ ውዒሉ። ኣብ ሰለስተ ክልላት ዝርከቡ መረጽቲ፣ ንኣባላት ቤት ምኽሪ’ታ ሃገር ክመርጹ እዮም። ኣብ ራብዓይ ክልል ዘለው መረጽቲ ድማ፣ ሓድሽ ክልል ክቆመሎም ድልየቶም እንተኾይኑ ኵስኑ ትጽቢት ይግበር።

ፓርላሜንታዊ ምርጫ ኣብ ክልላት ሶማሌ፣ ሃረር፣ ህዝብታት ደቡብን ክካየድ ከሎ ምርጫ’ዘን ክልላት ዝተደናጎየ፣ ብሰንኪ ምዝገባ መረጽቲ፣ ሕጋዊ ምስሕሓባትን ጸገም ጸጥታን ከምዝኾነ ዝዝከር እዩ።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ፣ ብሰንኪ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወለዐ ውግእ፣ ዓለምለኸ ጸቅጢ ኣጒኒፍዎም ኣሎ።

ፓርላማ ኢትዮጵያ 547 መናብር ኣለዎ። 47 መናብር ኣብ ውድድር አትዮም አለው። ፓርቲ ቀ/ሚ ን410 መናብር ሒዙ ኣሎ። እቶም ዝተረፉ መናብር ገሊኦም ካብ ክልል ትግራይ ዝውከሉ’ዮም፣ መዓስ ከምዝምልኡ ንጹር ኣይኮነን።

ህወሓት ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ውግእ ዝሓለፈ ሰነ ንክልል ትግራይ ከምዝተቆጻጸረ፣ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፣ ገለ ክፋል ክልል ትግራይ፣ ብሰንኪ’ቲ ውግእ፣ ንጥምየት ተቃሊዑ ኣሎ ከምዝበለ ዝዝከር እዩ።

እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ንክልል ኣምሓራ ዝመርሑ ሓድሽ ፕረዚደንት ሎሚ ተመሪጾም።

ብመሰረት’ዚ ዝተመረጹ ዶ/ር ይልቃል ከፋለ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ "ዋና ኣጀንደኦም፣ ንክልል ኣምሓራ ኣጋጢምዎ ኣሎ ዝበልዎ ሓደጋ ህልውና ምቅልባስ" እዩ ኢሎም።

ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዘለው ሓሙሽተ ዞባታትን ሓደ ፍሉይ ወረዳን፣ ረፈረንደም ወይካኣ ህዝበ ውሳነ ከምዝተካየደ’ውን ሪፖርተርና ገሊጹ።

ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ብመሰረት ዝዘርገሖ ዜና፣ ኣብ’ታ ሃገር መበል 11 ክልል ንምምስራት ዘኽእል ረፈረንደም ኣብ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ፣ ጎና ጎኑ ድማ ስሩዕ መስርሕ ምርጫ ከምዝተሳለጠ ኣፍሊጡ።

ኣብ ክልላት ዓፋርን ጋምቤላን’ውን ሓደሽቲ ምምሕዳራት ከምዝቆሙ እቲ ዜና ጠቂሱ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG