ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ገለ ከባቢታት ክልል ትግራይ ኣገልግሎት ቴለፎንን ኤሌትሪክን ጀሚሩ


ከተመ መቐለ -ፋይል
ከተመ መቐለ -ፋይል

ንስምምዓት ፕሪቶሪያን ናይሮቢን ስዒቡ ኣብ ገለ ከተማታት ክልል ትግራይ ኣገልግሎት ኤሌትሪክን ቴለፎንን ጀሚሩ፡ ኣብ ዝበዝሐ ወገናት ግን ገና በዂሩ ምህላዉ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ጸብጺቡ።

ኣብ ከተማ መቐለ መስመር መብራህቲ ካብ ሰሉስ ጀሚሩ ብስሩዕ ይቕጽል ከም ዘሎ ንዝምልከቶም ሰብ-መዚ እቲ ክልል ብምውካስ እቲ ኣገልግሎት ዜና ወሲኹ ሓቢሩ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ከተማ ሽረ መስመር ስልኪ ካብ ቅድሚ ሰሙን ኣትሒዙ ከም ዝተጀመረ ዘመልከተሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ፡ ኣብታ ከተማ ግን ገና ኣገልግሎት መብራህቲን ባንክን ከም ዘየለ ሓቢሩ።

እቲ ዜና ወሲኹ፡ ብሰንኪ ምቍራጽ ኣገልግሎት ባንክ ኣስታት ሓሙሽተ ሚልዮን ህዝቢ ካብቲ ኣገልግሎት ተሓሪሙ ከም ዘሎ ጠቒሱ። እንተዀነ፡ ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ፡ ኣብተን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር መንግስቲ ዘለዋ ከተማታት ኣገልግሎት ንምጅማር ምድላዋት ይገብር ከም ዘሎ ንማዕከናት ዜና መንግስቲ ብምጥቃስ ኣመልኪቱ።

XS
SM
MD
LG