ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ጅቡቲ ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ሓቲቶም


ኣብ ጅቡቲ ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት(UNHCR) ናብ ሃገሮም ክመልሶም ይሓቱ ኣለው።ኣል-ኣደ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ መዕቖቢ ስደተኛታት ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ስደተኛታት ምስተቐትሉ ናብ ሃገሮም ንምምላስ ተመዝጊቦም ኣለው።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድም ክብል ኣስታት 3,000 ስደተኛታት ናብ ሃገሮም መሊሱ’ዩ።

ኣስታት 10 ሽሕ ስደተኛታት ሕጂ እውን ኣብታ ሃገር ከምዝርከቡን ኣብ ልዕሊኦም ዝፍፀም መጥቓዕቲ ከምዝቐፀለን ይገልፁ።

ኣብ ጅቡቲ ወሃቢት ቃል ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ቨኒሳ ፓናሊግን ትካለን ስደተኛታት ናይ ምምላስ ፃዕሪ የካይድ ከምዘሎ ሓቢረን ኣለዋ።

XS
SM
MD
LG