ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ጀነቫ ዝተኻየደ ዓለምለኸ መድረኽ ስደተኛታት


ካብ መላእ ዓለም ዝተአኻከቡ ህይወት ስደተኛታት የሻቅለና’ዩ ዝበላ ሃገራትን ዓለምለኸ ትካላትን ብሰንኪ ኹናትን ካልኦት ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ምክንያታትን ካብ ሃገሮም ተሰዲዶም አብ ዝተፈላለዩ መዕቆቢ መደበራት ዝርከቡ ስደተኛታት ርእሶም ክኽእሉ ንምግባር ቃል ኣትዮም።

ኣብዚ ካብ 16-18 ታሕሳስ ኣብ ጀነቫ ዝተኻየደን ልዕሊ 3 ሽሕ ሰባት ዝተኻፈሉን “ዓለምለኸ ጉባኤ ስደተኛታት” ዓቕመን ውሑስ ኣብ ዝኾና ሃገራት ናይ ዝርከቡ ስደተኛታት ንምድጋፍ ልዕሊ 770 መርአያ ዝኸውን ናይ ገንዘብን ካልኦት ድጋፋትን ንምሃብ ቃል ተአትዩ’ሎ።

ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪቃ ስደተኛታት ብምቅባል ቀዳማይ ደረጃ ብምሓዝ ኣብዚ ጉባኤ ጉልህ ተኻፋሊት ከምዝነበረት ወሃቢ ቃል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ጨንፈር ኢትዮጵያ ኣቶ ክሱት ገብረእግዚኣብሄር ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ጀነቫ ዝተኻየደ ዓለምለኸ መድረኽ ስደተኛታት
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:43 0:00



XS
SM
MD
LG