ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዶብ ጋምቤላን ደቡብ ሱዳንን ብዝተፈጥረ ግጭት 9,500 ሰባት ምፍንቃሎም ሓላፊ ፕረስ'ቲ ክልል ሓቢሩ


ብሰንኪ ኣብ ዶብ ጋምቤላን ደቡብ ሱዳንን ብዝተወለዐ ግጭት፣ ልዕሊ 9,500 ኢትዮጵያዊያን ከምዝተፈናቀሉ ተገሊጹ።

ሓላፊ ፕረስ እቲ ክልል ኣቶ ኡጌቱ ኣዲንግ ኣብ መንጎ ሓይልታት ደቡብ ሱዳንን ደባይ ተዋጋእቲ ዝሓለፈ ቅነ ብዝተፈጠረ ግጭት፣ ኣብ ዶብ ካብ ዝነብሩ ሰባት፣ ሓደ ኢትዮጵያዊ ከምዝሞተን ሽዱሽተ ሰባት ከምዝቆሰሉን ሓቢሩ።

ንመንግስቲ ደቡብ ሱዳን ዝቃወሙ ዕጡቃት፣ ዶብ እናሰገሩ ዘረፋ ከምዘካየዱ'ውን ኣቶ ኡጌቱ ሓቢሩ'ሎ።

ንሱ ወሲኹ ንዝተዘረፈ ንብረት ንምምላስ፣ መንግስቲ ሰራዊት ከምዘዋፍርን፣ ንተፈናቀልቲ ረድኤት ንክግበረሎም ይስራሕ ከምዘሎ’ውን ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG