ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዶብ ክልላት ኦሮምያን ሲዳማን ብዝተላዕለ ግጭት 12 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ዶብ ክልላት ኦሮሚያን ሲዳማን ብዝተፈጠረ ግጭት 12 ሰባት ከምዝሞቱ ስድራ ግዳያትን ነበርትን ገሊጾም። እቲ ግጭት ኣብ ጉቦሄማን ቦጨሳን ኣብ ዝተባህሉ ከባቢታት ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ክረኣ ምጽንሑ ተሓቢሩ'ሎ።

ነባሪ ወረዳ ጭሪ ዝኾኑ ኣቶ ፍስሃ ኡሸ በቲ ግጭት ክልተ ኣዝማዶም ሓዊሱ ልዕሊ 12 ሰባት ከምዝተቐተሉ ገሊፆም።

ኣብ ናይ ጭሪ ወረዳ ማእኸል ጥዕና ዝሰርሑ ከምዝበሉዎ ቆሲሎም ዝመፁ ሰባት ከምዝሓከሙን ካልኦት ድማ ናብ ዝለዓለ ሕክምና ናብ ካልኦት ሆስፒታላት ከምዝተልኣኹን ተዛሪቦም።

ርእይቶ ካብ ወረዳታት ክሳብ ክልላት ዝርከቡ ሰበስልጣን ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።

ናይቲ ከባቢ ነበርቲ ቅድሚ ሎሚ እውን ኣብ ዶብ ክልቲኦም ክልላት ግጭት ተፈጢሩ ህይወት ምጥፍኡን ንብረት ምዕናውን ንድምፂ ኣመሪካ ምግላፆም ይዝከር።

XS
SM
MD
LG