ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተሓጺሩ ዝነበረ መንደቕ ፈሪሱ


ሎሚ ሶሉስ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ መንጎ ኸተማታት ዛላምበንሳን ሰርሓን ዝነበረ ሓጹር ሰይሮም።ነቲ መራኸቢ መስመር'ውን ከምዝኸፈቱ ተሓቢሩ'ሎ።

ጽባሕ ኣብ ዝኽበር ሓዲሽ ዓመትን በዓል ቅዱስ ዩሃንስን ካብ ክልቲኣን ሃገራት ዝተወከሉ ነበርቲ፡ ላዕለዎት ወታሃደራዊ መራሕትን ዝሳተፈሉ መድረኽ ኣብቲ መራኸቢ ስፍራ ከምዝኻየድ ተፈሊጡ'ሎ።

ሎሚ ኣብ አዲስ አበባ ብምኽያት ሓድሽ ዓመት መደረ ዘስምዑ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ብዛዕባ'ቲ ርክብ ከምዚ ኢሎም።

"ብተወሳኺ ምስ ታሪኻዊት ናይ ሰሜን ጎረቤትና ሃገረ ኤርትራ ዕርቀ ሰላም ድሕሪ 20 ዓመታት ንመጀመርያ ጊዜ ሓድሽ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ሃገረ ኤርትራ'ውን ይኽበር ኣሎ።ሓድሽ ዓመት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራን ብሓባር የኽብርዎ ኣለው" እውን ኢሎም።

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብቲ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ዝተረኽብሉ ሚለንየም አዳራሽ ዝተኸብረ ክብረ በዓል ናብ ሃገሮም ዝተመልሱ መራሕቲን ኣባላት ተቓወምቲ ውድባትን ተሓለቕቲ መሰላትን ኣመስጊኖም ብሓባር ነዛ ሃገር ንህነጻ ክብሉ'ውን ጻውዒት ኣቕሪቦም።

XS
SM
MD
LG