ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዶብ ኢትዮጵያ ዕጡቓት ሱዳን መጥቓዕቲ ምፍጻሞም ነበርቲ ገሊጾም


ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ወረዳ መተማ ጣቢያ ቱመት መንዱካ ካብ ብቕድሚ ትማሊ ሰንበት ጀሚሩ ዕጡቓት ሱዳን ብዝተወደበ መልክዑ መጥቓዕቲ ይፍፅሙ ኣለው ክብሉ ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ሓቢሮም።

ነባሪ እቲ ከባቢ ኣቶ እያየ ፈቃደ ዕጡቓት ሱዳን ካብ ዝሓለፈ ሰንበት ንዶብ ጥሒሶም ብምእታው ቱመት መርጥርሃር ንዝተባህለ ናይ ኢንቨስትመንት ቦታ ብምእታው ናይ ሰለስተ ሰብሃብቲ ንብረት ዘሪፎምን ኣቃፂሎምዎን ከይዶም ኢሎም ። ኣቶ እያየ ወሲኾም ሎሚ ንጉሆ እውን ቶኽሲ ከፊቶም ኢሎም ኣለው ።

ርእይቶ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።

ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ሎሚ ሶሉስ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ብዛዕባ'ዚ ዝቐረበሎም ሕቶ ሓበሬታ ከምዘይብሎም ገሊፆም ኣለው።

XS
SM
MD
LG