ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝርከብ ሩባ ተከዘ  ሬሳታት ምርካቡ ኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢሩ


 ፋይል- ሩባ ተከዘ ዘቋርጹ ስደተኛታት
ፋይል- ሩባ ተከዘ ዘቋርጹ ስደተኛታት

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ፡ ኢትዮጵያውያን ምዃኖም ዝግመት፡ ኣስታት 50 ዝበጽሑ ሬሳታት፡ ብፈለግ ኣንሳፊፎም ኣብ መሬት ሱዳን ተረኺቦም። ነቲ ሓበሬታ ዝሃቡ ሰበ-ስልጣን ሱዳን፡ እቶም ሬሳታት ካብቲ ብዂናት ክልል ትግራይ ኣዝዩ ተጸልዩ ዘሎ ከባቢ ፈለግ ተከዘ ዝኽተሎ መስመር ወሓይዝ ምዃኑ ይግለጹ። ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሓምዳይት ዝነጥፉ ዘለዉ ክልተ ኢትዮጵያውያን ሰብ-ሞያ ጥዕና’ውን ነቲ ዝተባህለ ግምታት ኣረጋጊጾሞ ኣለዉ።

ስሙ ክዕቀበሉ ዝሓተተ በዓል-ስልጣን ሱዳን፡ ንኣቀተታላ እቶም ብውሕጅ ተወሲዶም ዝመጹ ሬሳታት ንምንጻር ደቂቕ መርመራ ኣካላት ከም ዘድሊ ይገልጽ።

ካብ ሑመራ ሃዲሙ፡ ሕጂ ኣብ ሱዳን መዓስከር ሓምዳይት ዝነጥፍ ዘሎ ዶክተር ቴድሮስ ተፈራ፡ ብዛዕባ’ቶም ብቐረባ ዝረኣዮም ክልተ ሬሳታት ንኣሶሸትድ ፕረስ ቃል ሂቡ ነይሩ። ሓደ ካብቶም ሬሳታት ኢዱ ዝተኣስረ ክኸውን እንከሎ፡ ናይ ካልእ ሰበይቲ ሬሳ’ውን ኣፍልባ ብገመድ ተጠምጢሙ ምንባሩ ይጠቅስ። ኣብ ጥቓኡ ዝርከቡ ስደተኛታት 10 ሬሳታት ከም ዝቐበሩ ድማ ወሲኹ ይሕብር።

ዶክተር ቴድሮስ ኣብቲ ወሓይዝ ዘንሳፍፉ ናይ ዝነበሩ ሬሳታት ቪድዮ ንኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ኣካፊሉ ነይሩ።

እቶም ሬሳታት ካብ ከባቢ ሑመራ ኣንሳፊፎም ከም ዝመጹ ዶክተር ቴድሮስ የመልክት። ከባቢ ሑመራ ብሓይልታት ኣምሓራን ትግራይን ኣከራኻሪ ቦታ ኰይኑ፡ ካብቶም ግጭት ዝጀመሩሎም ቀዳሞት ስፍራ’ዩ።

ብሓገዝ’ቶም ሬሳታት ቀዲሞም ዝረኣዩ ገፈፍቲ ዓሳ፡ ነቶም ዘንሳፍፉ ዘለዉ ሬሳታት ኣብ ምእካብ ከም ዘለዉን ዝያዳ’ቶም ተረኺቦም ዘለዉ ክዀኑ ከም ዝኽእሉን’ውን እቲ ዶክተር የመልክት።

መንነት ናይቶም ሬሳታት ምፍላይ ኣጸጋሚ እኳ እንተዀነ፡ ሓደ ካብኣቶም ግን ተወላዳይ ትግራይ ምዃኑ ዘመልክት ናይ ትግርኛ ውቃጦ ጸኒሑዎ።

ስሙ ክዕቀበሉ ዝሓተተ፡ ኣብ መደበር-ጥዕና መዓስከር ሓምዳይት ዝነጠፍ ካልእ ኢትዮጵያዊ ዶክተር’ውን፡ በቲ ኣብ ገጽ ገለ ካብቶም ሬሳታት ዘሎ ውቃጦ ካብ ትግራይ ምዃኖም ምፍልጥ ከም ዝከኣል ይሕብር።

“ባርባራዊ ግፍዒ ይፍጸም ኣሎ፡” ዝበለ እቲ ስሙ ከይግለጸሉ ዝሓተተ ዶክተር፡ ገለ ካብቶም ሬሳታት ብፋስ ተጨፍጪፎም ከም ዝተቐትሉ ንኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ሓቢሩ።

ምስ ቅልጣፈ ዋሕዚ ንዅላቶም ዝመጹ ዝነበሩ ሬሳታት ክትርፉዎም ከም ዘይከኣሉ’ውን ገለ ካብቶም ኣብቲ ስራሕ ዝነጥፉ ዘለዉ ስደተኛታት ነቲ በዓል-ሞያ ጥዕና ኣካፊሎም።

ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝውነን ናይ ትዊተር ገጽ ንርኽበታት ሬሳታት ዝምልከት ጸብጻብ፡ ብሓይልታት ትግራይ ዝጋዋሕ “ውጹእ ሓሶት” ክብል ነጺጉዎ።

ኣማሓዳሪት ትካል ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ ኣመሪካ (USAID) ሳማንታ ፖወር፡ ብሰኑይ፡ ኣብ ሱዳን ዝርከብ መዓስከራት ስደተኛታት ኢትዮጵያ በጺሓ ነይራ። ዝቕጽል ጕዕዞ ሳማንታ ፖወር ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምዝርራብ፣ ብቐንዱ ድማ ነቲ ኣስታት 6 ሚልዮን ህዝቢ ሒዙ ዘሎ ክልል ትግራይ ኣፍደገ ብዛዕባ ዝኽፈተሉ መገዲ ንምዝታይ’ዩ። ዝኸፍአ ሓደጋ ደርቂ ዘንጸላሉዎ ዘሎ ክልል ትግራይ፡ ብመሰረት ሓበሬታ መንግስቲ ኣመሪካ፡ ኣስታት 900-ሽሕ ዜጋታት ንሓደጋ ጥሜት ተቓሊዖም ኣለዉ። ብወገን ትካል ሓገዝ ኣመሪካ ተወጢኑ ዘሎ መደብ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘሎ ዝምድናታት ሻሕኪሩ ደኣ ይሃሉ’ምበር፡ መስመር መጓዓዚ ሓገዝ ብሱዳን ኣቢልካ ንምእታው’ዩ፡ ።

ናብ ክልል ትግራይ ንምብጻሕ ቀሊል ኣይኰነን ዘሎ። ድሕሪ ነዊሕ ዝርርብ፡ ዓለማዊ ፕሮግራም መግቢ፡ 50-ሽሕ ቶን ስርናይ፡ ብመገዲ ሱዳን ንኢትዮጵያ የእትዩ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።

እዚ ምሉእ ትርጉም ብኣሶሴይትድ ፕረስ ዝቐረበ ሪፖርት'ዩ::​

XS
SM
MD
LG