ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘጋጠመ ግጭት ንምሕዝነት ክልቲአን ሃገራት ዘንጸባርቕ ኣይኮነን'ኣምባ.ዲና ሙፍቲ


ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝሓለፈ ሰሉስ ዘጋጠመ ግጭት ንምሕዝነት ክልቲአን ሃገራት ዘንጸባርቕ ኣይኮነን ክብሉ ወሃቢ ቃል-ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዲና ሙፍቲ ኣፍሊጦም። ኣብ`ቲ ዶብ ዝነበረ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ናብ ኩነታት ሰሜን ምስ ተንቀሳቐሰ ዘጋጠመ ናይ ጸጥታ ክፍተት`ዩ`ውን ኢሎም።

ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ መንጎ ወተሃደራት ክልቲአን ሃገራት ግጭት ከም ዝነበረ ብወገን ሱዳን ተገሊጹ`ዩ።

ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ብዛዕብኡ ክምልስ ከሎ፥ ብምኽንያት ወፍሪ ሕጊ ምኽባር ሰሜን ፥ ሰራዊት ከም ዝተንቀሳቐሰ ድሕሪ ምግላጽ፡ ሽሕ`ኳ ብማእከላይ መንግስቲ ሱዳን ዝተደገፈን ዝተዋህበ ኣመራርሓን`ዩ ኢልና እንተዘይኣመና ብሱዳን ወገን ዘሎ ሓይሊ ናባና ናይ ምእታውን እኽሊ ሓረስቶት ናይ ምዕጻድን ዝኣመሰሉ ዘይ-ሕጋዊ ምንቅስቓሳት ምግባሮም ተራእዩ`ዩ ኢሉ።

ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ "እዚ ነገር ምስ ኣጋጠመ፥ ናብ መንግስቲ ሱዳን መልእኽቲ ኣመሓላሊፍና ኣለና። እቲ መበገሲን ትሕዝቶን ገሊጽናሎም ኣለና። ብዝኾነ ሽሕ`ኳ ብላዕላዋይ ኣመራርሓ ዝተፈጸመ እንተዘይኮነ፥ ኣብዚ እዋን ሃገርና ኣብ ጸገም ከም`ዘላ ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ ክፍተት ብምጥቃም ኣብ ታሕታዋይ ጽፍሒ ብዘለዉ እዚ ምፍጻሙ ከምዘሕዘነና ንመንግስቲ ሱዳን ተገሊጹ'ዩ ነቲ ጉዳይ ነባሪ ፍታሕ ክረክብ ብላዕላዋይ ደረጃ ኣመራርሓ ንምዝርራብ መደብ ኣሎ" ኢሉ ።

እቲ ግጭት ዘጋጠመ ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ኢትዮጵያ በጺሑ ምስ ተመልሰ ድሕሪ ሒደት መዓልታት'ዩ። ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ምስ ሱዳን ዘለና ምሕዝነት ድልዱል ምሕዝነት'ዩ ክልቴና ንደልዮ እዩ እዚ ሕጂ ኣብ ዶብ ዘጋጠመ ኩነታት'ውን ድልየት መንግስቲ ሱዳን'ዩ ኢልና ንኣምን'ኳ እንተዘይኮነ በቶም ታሕተዎት ክፍሊ ምፍጻሙ ግን ግቡእ ዘይምዃኑ ብምግላጽ ክንሰርሕ ኢና ኢሉ።

ብሽም ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ኣቐድም ኣቢሉ ዝወጸ መግለጺ፥ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ናብ ግዝኣትና ብምእታው ካብ ሓለዋ ይምለሱ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ሓይልታት ጸጥታና መጥቃዕቲ ፈጺሞም ኢሉ ኔሩ'ዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።


XS
SM
MD
LG