ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ.ምክልኻል ኢትዮጵያ ብሱዳን ንዝቐረበ ክሲ ይነጽግ


ሚንስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ነቲ ብሱዳን ዝቐረበ ሸውዓተ ወተሃደራተይ ተቐቲሎምኒ ዝብል ክሲ ኣሉታ ሂብሉ። ወሃቢ-ቓል ሚንስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ኮ/ሌ ጌትነት ኣዳነ ኣብ መግለጺኡ፡ ናብ ግዝኣት ኢትዮጵያ ዝኣተዉ ወተሃደራት ሱዳን ምስ ሚልሻታት`ቲ ኸባቢ ምግጫዎም ብምጥቃስ፡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ግን ኣብቲ ከባቢ ከምዘይነበሩ ሓቢሩ`ሎ።

ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦ ኣመሓዳሪ ምዕራብ ጎንደር ኣቶ ቢሰጥ ወርቀ ብወገኑ፡ ወተሃደራት ሱዳን ብወገን ዓብድራፊን ብወገን ምዕራብ ኣርማጭሆን ካብ ትማሊ ጀሚሮም ናይ ከቢድ ብረት ተኹሲ ምኽፋቶም ኣፍሊጡ`ሎ። ካብ ክልቲኦም ወገናት ዝሞቱ ከምዘለዉ`ውን ሓቢሩ`ሎ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተገብረ ግጭት ካብ መንጎ`ቶም ዝሞቱ፡ ምስ ሰራዊት ሱዳን ዝተሰለፉ ዕጡቓት ህወሓት ከምዝርከብዎም`ውን ተዛሪቡ`ሎ። ብህወሓት ዝምራሕ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ነቲ ዕጡቓት ህወሓት ኣብ ጎኒ ሰራዊት ሱዳን ኮይኖም ተዋጊኦም ዝብል ክሲ ኣሉታ ድሕሪ ምሃብ መንግስቲ ንሰላም ዘለዎ ተበግሶ ሓቂ ከምዘይኮነ ዘርኢ`ዩ ክብል መሊሱ`ሎ።

ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ወተሃደራት ሱዳን ምስ`ቶም ኣሸበርቲ ዝብሎም ዕጡቓት ህወሓት ብምዃን ናብ ውሽጢ ግዝኣት ኢትዮጵያ ኣትዮም ተኹሲ ከፊቶም ክብል ኣፍሊጡ ኔሩ`ዩ።

XS
SM
MD
LG