ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ 6 ሰባት ሞይቶም


 መተማ
መተማ

ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ወረዳ መተማ ሹመት መንዱቃ ኣብ ዝተባህለ ጣቢያ "ጥሩፋት ዕጡቓት ሱዳንን ኢትዮጵያን’’ ብዝተባህሉ ኣካላት ብዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ሽዱሽተ ሰባት ሞይቶም ካልኦት ሓሙሽተ ድማ ከምዝቖሰሉ ናይቲ ከባቢ ሰበስልጣንን ግዳያትን ተዛሪቦም።

እቲ መጥቓዕቲ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ለይቲ ከምዝተፈፀመ ዝሓበሩ ሰበስልጣን ልዕሊ 30 ኣባይቲ ተቓፂሉን ልዕሊ 1,700 እንስሳት ድማ ከምዝተወሰዳን ሓቢሮም።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድንን መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፈታህ ኣልቡርሓንን ኣብ ናይሮቢ ድሕሪ ምርኻቦም ብስሩዕ ዕጡቓት ዝፍፀሙ መጥቓዕታት ደው ምባሎምን ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ወጥሪ ምቕናሱን ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ኣቶ ቢክስ ወርቄ ገሊፆም።

ኣብቲ መጥቓዕቲ ሓይልታት ህወሓትን ዕጡቓት ቅማንትን ተሳቲፎም ክብሉ እቶም ዋና ኣመሓዳሪ ከሲሶም።ነዚ ዳሕረዋይ ክሲ ካብ ዕጡቓት ትግራይን ቅማንትን ዝተውሃበ ርእይቶ እንተዘይሃለወ እውን ዕጡቓት ትግራይ ቅድሚ ሎሚ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ኣብ ከባቢ ዶብ ሱዳን ምስ ዝተፈጥሩ ግጭታት ዝተኣሳሰረ ዝቐርቡ ክስታት ኣሉታዊ መልሲ ክህቡ ጸኒሖም'ዮም።

XS
SM
MD
LG