ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዳርፉር ኣብ መንጎ ቀቢላታት ብዝተፈጥረ ግጭት 48 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ሓደ መዕቆቢ ስደተኛታት ዳርፉር ኣብ መንጎ ቀቢላታት ብዝተፈጥረ ግጭት ብውሕዱ 48 ሰባት ምቕታሎም ሓደ በዓል-ስልጣን ሱዳን ኣፍሊጡ።

እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መንጎ ቀቢላ ሚሰርያን ረዚጋትን ዝተፈጥረ ግጭት ልዕሊኡ ቀቲሉ ክኸውን ከምዝኽእል`ውን ይግምት። ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፡ 24 ካብቶም ግዳያት ዝሓለፈ ቀዳም ከምዝተቐትሉን ንሱ`ውን ዕጡቓት ናብ ክሽምግሉ ዝፍትኑ ዝነበሩ ሰባት ብዝተኮስዎ ጠያይቲ ምዃኑ ኣፍሊጡ`ሎ።

ዝሓለፈ ሰንበት ሰበ-ስልጣን ዳርፉር ንሓደ ወርሒ ዝጸንሕ ሕላፍ ሰዓት ኣዊጆም ኣለዉ። ሰበ-ስልጣን ረድኤት ድማ ካብቲ ቦታ ከምዝወጹ ተገይሩ`ሎ።

ሱዳን ካብ ዕልዋ መንግስቲ ጥቅምቲ 2021 ጀሚራ ካብ ዕግርግር ኣይወጸትን።

ትማሊ ረቡዕ ግን ሓይልታት እወጃ ንናጽነትን ለውጥን ምስቲ ወተሃደራዊ መሪሕነት ኣብ ቀረባ መዓልታት መባእታዊ ስምምዕ ክፈራረሙ ትጽቢት ከም ዝገብሩ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ካብ ወተሃደራዊ መሪሕነት ሱዳን ግን ብዛዕባ ዝርዝር`ቲ ስምምዕ፡ዝሃቦ ምላሽ የለን ይብል ኣሶሸይትድ ፕረስ።

XS
SM
MD
LG