ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዳርፉር ብዝተወለዓ ግጭት ኣስታት 40 ሰባት ምሟቶም ተሓቢሩ


ድሕሪ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዓሌታዊ ውግእ ዳርፉር፣ ብውሑድ አርባዓ ሰባት ከምዝሞቱን፣ መንግስቲ ሱዳን ህጹጽ ጊዜ ኣዋጅ ንከተኣታቱ ከምዘገደዶን ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ጥቃ ቻድ ኣብ ዝርከብ ኣል ጄነይና ዝተወለዐ ውግእ ን58 ሰባት ከምዘፈናቀለ’ውን ተፈሊጡ።

ሕቡራት ሃገራት ውግእ ኣብ ሞንጎ ኣራቢ ሪዘይጋትን ማሳሊትን ዝተወለዐ፣ ዕጡቃት ንክልተ ካብ ማሳሊት ዝኾኑ ሰብኡት ድሕሪ ተኩሶም ምቅታሎም እዩ ይብል ።

XS
SM
MD
LG