ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዳርፉር ብዘጋጠመ ግጭት ልዕሊ 20 ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ


ፋይል-ዳርፉር
ፋይል-ዳርፉር

ኣብ ምዕራብ ሱዳን ዞባ ዳርፉር ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ዜጋታት ኣብ ዝተዓቕብሉ ሓደ መዓስከር ብዝተላዕለ ግጭት ብውሑዱ 24 ሰባት ምሟቶም ሓደ በዓል ስልጣን ኣብቲ ዞባ ዝንቀሳቀስ ዓቓቢ ሰላም ሓቢሩ’ሎ።

ወሃቢ ቃል ናይ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን ዓቃቢ ሰላም ኣብ ዳርፉር ኣሽራፍ ኢሳ ኣብ ኣል ጀኒና ዝተባህለ ግዝኣት ዝርከብ መዓስከር ኣብ ታሕሳስ 29ን 30n ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ዓሌት ዘለዎም ጉጅለታት ግጭት ከምዝተላዕለ ሓቢሩ።

“እቶም ናይ ዓረብ ዓሌት ዘለዎም ጉጅለ ናብቲ መዓስከር ብምእታው ሰባት ተኹሶም ቐቲሎም ኣባይቲ’ውን ኣንዲዶም።”

ነዚ ስዒቡ ትማሊ ረቡዕ ጀነራል ሓምዳን ዲያሎን ቀዳማይ ሚንስትር ዓብደላ ሃምዶክ ዝርከብዎም ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ቤት ምኽሪ ሉአላዊነት ሱዳን ናብ ግዝኣት ኣል ጀኒና ብምኻድ ምስ ሓይልታት’ቲ ጸጥታ ምዝርራቦም ተፈሊጡ’ሎ።

ወሃቢ ቃል ናይ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን ዓቃቢ ሰላም ኣብ ዳርፉር ኣሽራፍ ኢሳ በቲ ግጭት ካልኦት 17 ሰባት ምቑሳሎምን ብዝሒ ዘለዎም ሰባት ነቲ መዓስከር ገዲፎም ምስዳዶም ሓቢሮም።

ድሕሪ’ቲ ኣብቲ መዓስከር ዘጋጠመ ግጭት ናብቲ ከባቢ ተላቢዑ ኣስታት 10 ዓድታት ምንዳዶምን ብዝሒ ዘለዎም ሰባት ቤት ንምብረቶም ሓዲጎም ናብ ጎረቤት ቻድ ምስዳዶም ተሓቢሩ’ሎ።

ኣብቲ ዞባ ክንቀሳቀስ ዝጸንሓ ዓቃቢ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን ካብ ግዝኣት ኣል ጂናኒ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2019 ብወግዒ እንተወጸ፡ ቤት ጽሕፈቱ ንመንግስቲ ከረኽብ ኣብ ዝተመደበሉ መዓልቲ ግን እቲ መዓስከር ብሓይልታት ጸጥታን ጉጅለ ሰባትን ከምዝተዘምተ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG