ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዳርፉር ብሰንኪ ግጭት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ካብ መነባብርኦም ይመዛበሉ


ዳርፉር
ዳርፉር

ኣብ ሱዳን ምዕራብ ዳርፉር ከተማ ክሬይኒክ ዓርቢ ብዘጋጠመ ብብረት ዝተዓጀበ ጎንጺ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ካብ መነባብርኦም ተመዛቢሎም ።

ሃገራዊ ዳይረክተር ናይ ኖርወይ ቤት ምኽሪ ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ዊል ካርተር "ኣብ ምዕራብ ዳርፉር ከተማታት ብዓይንና እናርአና ነዲደን ማሕበረሰባት ተደጋጋሚ መጥቓዕቲ ተፈፂሙዎም’’ኢሉ ።ንሱ ብምውሳኽ "እዚ ዘሕዝን ፍፃመ ኣዕናዊ ይኸውን ኣሎ፤ገዲዱዎ ዝቐፀለ ኣዕናዊ መጥቓዕቲ ከብቅዕ ኣለዎ’’ኢሉ ።

እቲ ኖርወጃዊ ትካል መብዛሕቲኦም በዚ ናይ ሕጂ ውግእ ዝተተንከፉ ስድራታት ቅድሚ ሎሚ ብዝነበረ ህውከት ተመዛቢሎም ዝነበሩ ምዃኖምን: ከተማ ክሬይኒክ ኣስታት 100,000 ተመዛበልቲ ኣብ ምትእንጋድ ከምትርከብን ይሕብር።

XS
SM
MD
LG