ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፖብሊክ ኮንጎ ሕሙም ኢቦላ ከምዝተረኽበ ሰብ-መዚ ገሊጾም


ፋይል
ፋይል

ደሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ ቫይረስ ኢቦላ ጠፊኡ ኢላ ድሕሪ ምእዋጃ ድሕሪ ሰሙናት ሓዲሽ ሕሙም ኢቦላ ረኺባ።

ሰበ-ስልጣን ጥዕና ከም ዝበልዎ ካብ ሓንቲ ጓል 26 ዓመት ዝሓለፈ ሰሙን ዝወሰድዎ መርመራ ፖሲቲቨ ኮይኑ ተረኺቡ`ሎ። ሕጂ ምስታ ሰበይቲ ርክብ ኔርዎም ዝተባህሉ 160 ሰባት ኣላልዮም ከም ዘለዉ`ውን እቶም ሰበ-ስልጣን ጠቒሶም ኣለዉ።

ኢቦላ ካብ ዝሓመመ ሰብ ብፈሳሲ ዝላገብ ክኸውን ከሎ፡ ምልክቱ ድማ ሕማም ርእሲ: ተምላስን ውሽጣዊ መድመይትን`ዩ።

ኣብ ኣፍሪቃ ሓላፊት ውድብ ጥዕና ዓለም ማሺዲሶ ሞቲ ብዛዕባ ዳግም ምርኣይ ኢቦላ ሻቕሎታ ገሊጻ`ላ፡ እንተኾነ ሰራሕተኛታት ጥዕና`ታ ሃገር ነቲ ቫይረስ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ከምዘውዕልዎ እተኣማመን`የ ክትብል ኣፍሊጣ`ላ።

XS
SM
MD
LG