ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ደቡብ ኮርያ ብዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ውሕጂ 9 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ዝሰፍሓ ክፋል ዋና ከተማ ደቡብ ኮርያ ሳውል ድሕሪ ዘጋጠመ ብርቱዕ ዝናብን ዝሰዓበ ውሕጂን ብውሑዱ ትሸዓተ ሰባት ሞይቶም ኣብ ህንጻታት:ኣባይትን መንገድታት'ውን ጉድኣት ምብጽሑ ተፈሊጡ።

ኣብ ሳውል ጥቃ ክፍለ ግዝኣት ግየኦንግ ኸኣ ሃለዋት ሸውዓተ ሰባት ከምዘይተረኽበ ተሓቢሩ'ሎ።

ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያትን ደሕንነትን'ታ ሃገር ሰራሕተኛታቱ ብመሰረት እቲ ውጥን ህጹጽ ሕውየት ካብቲ ቀዳምነት ዝተዋህቦ 2,800 ህንጻታት:ኣባይትን መንገድታትን ካልኦት መሳለጥያታትን ልዕሊ 90% ዝኸዉን ኣጽርዮምን ጸጊኖምን ናብ ንቡር ምምላሶም ኣፍሊጡ'ሎ።

ነቲ ዝወረደ ጉድኣት ብዛዕባ ዝወሃብ ምላሽ ንምዝርራብ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዝተኻየደ አኼባ ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ይሳ ሳክ የኦል ብሰንኪ እቲ ዝወረደ ብርቱዕ ዝናብ ንዘጋጠመ ሞትን ጉድኣትን ብስም መንግስቶም ይቅሬታ ሓቲቶም'ለዉ።

ቤት ዕዮ ትንበያ ኩነታት ኣየር ደቡብ ኮርያ ንዘውጽኦ መጠንቀቅታ እንተልዓሎ'ዃ ኣብ ደቡባዊ ክፍሊ እታ ሃገር ክሳብ ሓሙስ ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ 10-30 ሴንቲ ሜትር ዝናብ ከም ዝዘንብ ተንብዩ'ሎ።

Recommended

XS
SM
MD
LG