ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ደቡብ ኦሮምያን ሰሜን ኬንያ ዝተራእየ ዕስለ ኣምበጣ ጉድኣት ምውራዱ ነበርቲ ገሊጾም


ኬንያን ኢትዮጵያን
ኬንያን ኢትዮጵያን

ኣብ ኢትዮጵያ ደቡብ ኦሮሚያን ሰሜን ኬንያን ኣብዚ ሰሙን እዚ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ከምዝተርኣየ ነበርቲ ገሊፆም።ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ቦረና ዝተፈላለዩ ወረዳታት ዝተራእየ ኣንበጣ ኣብ መግሃጫ ሳዕሪን ዘራእትን ጉድኣት ምውራዱ ተሓቢሩ’ሎ።

ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ነቲ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ምክልኻል ከምዝርከቡን ሰፊሕ ብምዃኑ ግን ንምቁፅፃር ከምዘይተኸአለን ተዛሪቦም።

ሓላፊ ሕርሻን ከባቢያዊ ሓለዋን ዞባ ቦረና ኣቶ መሓመድ ኣባኮዳ እቲ ወራር ንሰፊሕ ከባቢ ከምዘጥቕዐ ብምግላፅ ነበርትን ሰራሕተኛታት መንግስትን ይረባረቡ ምህላዎምን ሓገዝ ምሕታቶም ገሊፆም።

ብኻልእ ወገን ኣብ ኬንያ ነበርቲ ክፍለ ግዝኣት ማርሳቢት ወራር ዕስለ ኣንበጣ ኣብ መግሃጫ ሳዕሪ ጉድኣት ምውራዱ ነበርቲ ገሊፆም ።

XS
SM
MD
LG