ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ደቡብ ኦሮምያ ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታን ደባይ ተዋጋእቲ ኮነግን ቶኽሲ ምቕጻሉ ተገሊጹ


ኣብ ደቡብ ኦሮሚያ ዞባ ጉጂ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፀጥታን ደባይ ተዋጋእቲ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ /ኦነግ/ ቶኽሲ ከምዝቐፀለ ምምሕዳር እቲ ዞባ ኣፍሊጡ። ሓላፊ ድሕነት ፀጥታ ምብራቕ ጉጂ ኣቶ ወልዴ ዱጎ ኣብቲ ዞባ ብሽም ኦነግ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ኣባላት ፖሊስ መጥቓዕቲ ብምፍፃም ን12 ፖሊስ ምቕታሎም ኣረጋጊፆም።

እቲ መጥቓዕቲ ቅድሚ ሰሙን ከምዝተፈፀመ ዝገለፁ ንሶም ቅድሚ ሎሚ እውን ዝተፈላልዩ መጥቓዕታት ከጋጥሙ ምፅንሖም ሓቢሮም።

ኣብ ምብራቕ ጉጂ ምኽትል ኣዛዚ እቶም ደባይ ተዋጋእቲ ዋቁምሳ ጉቱ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ኦሮሚያ ዝወረደ ጉድኣት ካብቲ ሰበስልጣን መንግስቲ ዝገለፁዎ ንላዕሊ እዩ፤ ንኣስታት 30 ሓይልታት መንግስቲ ቐቲልና ንሓሙሽተ ማሪኽና ኣለና። 18 ክላሽን እውን ማሪኽና ኣለና፤ኣብዝተፈላለዩ ዞባታት እውን ስጉምቲ ኣብ ምውሳድ ንርከብ ኣለና ኢሉ።ኣብ ልዕሊ ኣባላቱ ካብ መቑሰልቲ ዝሓለፈ ጉድኣት ከምዘየጋጠመ ውን ወሲኹ ሓቢሩ።

ነበርቲ እቲ ከባቢ በቲ ውግእ ኣብ ዓብይ ሽግር ከምዝርከቡ ገሊፆም ኣለው ።

XS
SM
MD
LG