ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ውሕጂ ንንጥፈታት ዝዓበየት ወደብ'ታ ሃገር የተዓናቕፍ


ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘጋጠመ ሓያል ውሕጅ ንንጥፈታት ዝዓበየ ወደብ`ታ ሃገር ኣተዓናቒፍዎ`ሎ። እዚ ድማ ምስ ቻይና ዝግበር ኣገዳሲ ሰደድ ንግዲ ከደናጉዮ ከምዝኽእል ተዓዘብቲ ይሰግኡ።

ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎሳ ህጹጽ ናይ ሓደጋ እዋን ኣዊጁ`ሎ፡ በቲ ኣብዚ ሰሙን`ዚ ዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ልዕሊ 400 ሰባት ድሕሪ ምሟቶምን ኣስታት 40 ሺሕ ካብ መነባብርኦም ምዝንባሎምን ሕጂ ኻብ መንጎ ዝዓበየ ስራሕ፡ ነታ ተጎዲኣ ዘላ ዝዓበየት ወደብ ደርባን ምድሓንን ንጥፈታታ ምቕጻል ምዃኑ`ውን ገሊጹ`ሎ።

"ወደብ ደርባን፡ ካብ መንጎ ዝዓበያን ዝነጠፋን ወደባት`ዛ ኣህጉር፡ ንቁጠባና ቁልፊ ዝኾነት ወደብ፡ ብኸቢድ ተሃስያ`ላ።"

ብመሰረት ሓበረታ መንግስቲ ናብ`ታ ወደብ ዝኸይድ ኣብ መዓልቲ ኣስታት 13 ሺሕ ዓበይቲ መካይን ዝሓልፋሉ ጽርግያ ተጎዲኡ`ሎ፡ ኣስታት ትሸዓተ ሺሕ ኮንተይነራት`ውን ኣብቲ ወደብ ተኣኪቡ`ሎ።

በቲ ኣብ ወደብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘጋጠመ ጸገማት ካብ ዝተተንከፋ ሃገራት ሓንቲ፡ ዝዓበየት መሻርኽቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ቻይና`ያ፡፡ ከም ርእይቶ ላዕላዋይ ተመራማሪ ኣፍሮ-ቻይና ኣብ ኢንስቲቱት ኣህጉራዊ ጉዳያት ደቡብ ኣፍሪቃ ከቡስ ስታደን፡“ 20% ንግዲ ቻይናን ኣፍሪቃን ብደርባን`ዩ ዝሓልፍ፡ ብፍላይ ድማ ካብ ደሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎን ዚምባብወን ዝመጽእ ከም ኮባልት: ነሓስ: ሊትዩም ዝበሉ ማዕድናት" ይብል።

ዋንዲለ ሲህሎቦ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክኢላ ቁጠባ ሕርሻዊ ንግዲ፡ ንሱ እታ ወደብ ናብ ስሩዕ ስርሓ ክሳብ ትምለስ ገለ ግዜ ክወስድ ከምዝኽእል ንድምጺ ኣመሪካ ይገልጽ።

“በዚ ሓያል ዝናብ ከቢድ ጉድኣት ወሪዱ`ሎ፡ ኣብ ንግዲ ዝምርኮሱ ከም መካይን ፍርያት ሕርሻ ከምኡ`ውን ካልኦት መዳያት ቁጠባ ድማ ብፍላይ ተሃስዮም ኣለዉ" ይብል።

ማኤርስክ ዝተባህለ ፡ ኣብ ዓለም ዝዓበየ መስመር ኮንተይነራት፡ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ኣብ ወደብ ደርባን ስርሑ ደው ኣቢሉ ይርከብ ። እቲ ትካል ንድምጺ ኣመሪካ ብኢመይል ከምዝሓበሮ፡ መኻዚኖታቱ በቲ ከቢድ ዝናብን ውሕጅን ተተንኪፉ`ሎ፡ ስራሕ`ውን ደው ኣቢሉ`ሎ።

XS
SM
MD
LG