ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘጋጠመ መጥቓዕቲ ኣብ ልዕሊ ብወጻእተኛታት ዝውነኑ ትካላት ኣብ ናይጀርያ ንዘሎ ንግዲ ስግኣት ይፈጥር


ኣብ ቀረባ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት መጥቓዕታት ምፍፃሙ ስዒቡ ኣብ ናይጀሪያ ይሰርሑ ኣብ ልዕሊ ዘለው ትካላት ንግዲ ደቡብ ኣፍሪቃዊያን ሕነ ናይ ምፍዳይ መጥቓዕቲ ተኻይዱ’ዩ።

ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ወፃኢ ሃገር ብዝተፈፀመ መጥቓዕታት ሓሙሽተ ሰባት ምስተቐትሉ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ዋና ከተማ ኣቡጃ ናይጀሪያ ናብ ጎደና ብምውፃእ ሰልፊ ኣካይዶም።ሰልፊ ካብ ዝወፁ ሓደ ዓሊ ዩሱፍ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ነቲ ጉዳይ ክፈትሖ ኣይክኣለን ዘሎ ክብል ይኸስስ።

“ደቡብ ኣፍሪቃዊያን ኣብ ሃገሮም ንዝነብሩ ናይጀሪያዊያን ስርሖም ክሰርሑ ዘይገድፉዎም?ኣብ ናይጀሪያ ከምድላዮም ይሰርሑ ኣለው።ኣይንርብሾምን፤ገዛውቶም ወይ ናይ ንግዲ ትካላቶም ኣይነቃፅለሎምን።”

ብሰበስልጣን ናይጀሪያ ዝተፀውዑ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ደቡብ ኣፍሪቃ ቦቢ ሞር ኣብ ሃገሮም ንዝተፈፀመ መጥቓዕቲታት ኮኒኖምዎ ኣለው።

ናይ ናይጀሪያ ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ጂዮፍረይ ኦኒየማ መንግስቶም ነቲ ጉዳይ ንምፍታሕ ምስ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሮም።

“ከም መንግስቲ ናይጀሪያ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ናይጀሪያዊያን ዝፍፀሙ ናይ ወራርን ተግባራት ገበንን ሓንሳብን ንሓዋሩን ደው ንምባል ወሰንቲ ዝኾኑ ስጉምትታት ክውሰዱ ኣለዎም ኢልና ኢና ንኣምን።”

ብዙሓት ናይጀሪያዊያን ግን ደቡብ ኣፍሪቃዊያን ኣብ ናይጀሪያ ስርሖም ደው ከብሉ ይሓቱ ኣለው።ንግዚኡ ግን ኣብ ናይጀርያ ዝርከቡ ዓበይቲ ትካላት ንግዲ ደቡብ ኣፍሪቃ ንዘይተወሰነ እዋን ተዓፂዮም ይርከቡ።

XS
SM
MD
LG