ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዘጋጠመ ሓደጋ ዓሰርተታት መካይን ዓንየን


ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሎሚ ሶኑይ 6 መጋቢት 2023 ብዘጋጠመ ሓደጋ መኪና ኣብ ብዙሓት ሰባት ጉድኣት ኣውሪዱ፡ ኣስታት 40 መካይን ድማ ዓንየንን።

ብመሰረት ካብቲ ቦታ ዝተረኸበ ናይ ቪዲዮ ምስልታት ንከተማታት ኡምላጋን ማውንት ኤጅኮምቤን ኣብ ዘራኽብ M41 ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ዓብይ ጎደና ብርክት ዝበላ ነኣሽቱን ናይ ፅዕነትን መካይን ተሰባቢረን ይርኣያ።

መሓውራት ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣሃዱ ወሃቢ ግብረ መልሲ ንመሰኻኽር ዓይኒ ብምጥቓስ ከምዝገለፅኦ ካብ ቁፅፅር ወፃኢ ዝኾነት ሓንቲ ናይ ፅዕነት መኪና ዳርጋ ንሓደ ኪሎ ሜትር ዝኸውን ርሕቐት ኣብ ልዕሊ 36 ዝኾና መካይን ጉድኣት ኣስዒባ ኢሉ'ሎ።

ናይ ሕክምና ሄልኮፕተር ንሓደ ዝቖሰለ ሰብ ከምዘልዓለትን ካልኦት ድማ ብኣምቡላንስ ኣቢሎም ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወሰዱን እቲ ፀብፃብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣሃዱ ወሃቢ ግብረ መልሲ ገሊፁ።

XS
SM
MD
LG