ዋሽንግተን —
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዝረአ ዘሎ ዕግርግር 72 ሰባት ሞይቶም።
ዝሓለፈ ሰሙን፡ ብሰንኪ ዘርኣዩዎ ኣብያ ምትሕብባር ን15 ኣዋርሕ ክእሰሩ ዝተወስዱ መራሒ’ታ ሃገር ነበር ጃኮብ ዙማ፡ ስዒቡ ዝተራእየ ዕግርግር ደቡብ ኣፍሪቃ ትናወጽ ኣላ። ደገፍቲ ዙማ ንትካላት ከዕንዉ፡ ምስ ፖሊስ ክራመፁን እንከለዉ፡ ክሳብ ሕጂ 72 ሰባት ሞይቶም ኣለዉ። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ'ውን ሰባት ንማእሰርቲ ተወሲዶም ኣለዉ።