ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ደቡብ ሱዳን ክልተ ሰራሕተኛታት ረድኤት ምቕታሎም ተገሊጹ


ፋይል

ኣብ ደቡብ ሱዳን ክልተ ሰራሕተኛታት ረድኤት ድሕሪ ቕታሎምን ካልእ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ምግጣሙን፣ ሕቡራት ሃገራት ሰበ ስልጣን’ታ ሃገር ነቶም ቀተልቲ ናብ ፍርዲ ንክቀርቡ ጸዊዑ።

ክልቲኦም ግዳያት ንኢጣልያዊ ትካል ሓካይም ንኣፍሪቃ ዝሰርሑ እዮም ነይሮም።

ተጠባባቂ ዳይረክተር ትካል ህጹጽ ኩነታት (ኦቻ) ማቲው ሆሊንግዎርዝ "መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ንሓይልታት ጸጥታ ከሐይል፣ ነቲ ገበን ከጻርይን እቶም ፈጸምቲ ቅትለት ናብ ሕጊ ንከቅርቦም ይጽውዕ" ኢሉ።

ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣርባዕተ ሰራሕተኛታት ረድኤት ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ተቀቲሎም እዮም።

ደቡብ ሱዳን፣ ካብ ዓለም እታ ንሰራሕተኛታት ረድኤት እታ ኣዝያ ሓደገኛ ሃገር ትባሃል ከምዝኾነት ይጥቀስ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG